“ንዕቐትን ምንሻውን ቀንዲ ኣጽዋር ናይ ድኹማትን መከላኸሊ ኣንጻር ናይ ሓደ ድኹም ንቕሓትን ዘይተደልዩ ስምዒታት እዩ።” ኣሊስ ሚለር

ንሕና ኤርትራውያን ብተፈጥሮና ኣዚና ልኡማት ስለዝኾንና ነቲ ካብ ፈጣሪ ዝተዋሃበና ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል መብዛሕትኡ ግዜ ክንጥቀመሉ ኣይንርአይን። ከም ሓደ ናጻ ህዝቢ፡ ኤርትራውያን መንግስትና ዝኽተሎ ዘሎ ዘይዲሞክራሲያውን ጸቓጢ ኣካይዳ እቲ ጸቓጢ ባህሊ መሊሱ ኣፍና ዓቢሱ ከም ተዓዘብቲ ትም ኢልና ንኽንርእዮም ኣገዲዱና። ብርታዔ ናይ ሓደ ህዝብን ህላወ ናይ ሓንቲ ሃገር ኣብ ትብዓት ናይ’ቶም ኣህዛብ ማዕረ ክንድምንታይ ንመሰሎም ይጣበቑን ይገልጹን፡ ከምኡ ድማ ንመንግስቲ ኣብ ዝኽተሎ ፖሊሲን ምሕደራን ብምንቃፍ ዕዙዝ ተሳታፍነት የርእዩን ይምርኮስ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጸልማት ዓብሊሉ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ባርነትን ኣደራዕ መግዛእቲ ይርከብ። ኣብ ፈለማ ሓርነት ሃገርና ከምኡ’ውን ናጽነትን ሉኣላውነት ኤርትራ፡ ህዝብና ካብ መግዛእቲ ሓራ ስለዝተናገፈ ዓሊሉን ብሓጎስ ጸምቢልዎን። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ዝስዓባ ዓመታት መንግስቲ ብዝኽተሎ ግጉይ ፖሊሲን ኣካይዳ መሰል ህዝቢ ተነፊጉ። ህዝቢ ኣብ ክንዲ ናጽነት ባርነት ኮይኑ ፍዳኦም። ልሳን ህዝቢ ኣብ ቤት ማሕቡስ ተዳጊኑ። መበገሲ ናይ’ዞም ኩሎም ጸገማት ካብ ምንታይ እዩ? እዚ ኩሉ ጸገማት ኣብ ዘጋጥመሉ ንሕና ኩልና ኤርትራውያን ነቲ ኩሉ ዘስካሕክሕ ግፍዕታት ዝፍጽም ዝነበረ መንግስቲ ኣብ ክንዲ ምንቃፍን መዕገቲ ንገብረሉ ከም ተዓዘብቲ ደው ኢልና ንመራሕትና ኣሻዲናዮም። በንጻሩ’ኳ ድኣ ንዝተገፍዑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኤርትራውያን “ኣባጎብየ ገና ከራኻኽበሎም እዩ” “መን ፍለጡ ኢልዎም ድኣሎም ዝዛረቡ?” እናበለ ምስ መራሕቲ ብምምስሳል ድምጽና ከነጥፍእ ጀሚርና። ኣብዚ ግን ክርሳዕ ዘይብሉ ነጥቢ፡ ገለ ሳአን እኹል ኣፍልጦ ክኸውን እንከሎ ገለ ድማ ካብ ፍርሒ፡ ረብሓታትን እንታይ ገደሰኒ ክኾኑ ይኽእሉ።

መንግስቲ ካብ መፈለምታኡ ጥንቃቐ ዘድልዮ ጌጋታት እናፈጸመ እንከሎ ንሕና ኤርትራውያን ንገፋዕቲ ብመስተንክር፡ ብምትኻስ፡ ዕጉባት ብምምሳል ከም ሓኪም ዝኣዘዘልና ብወለንታና ተማእዚዝናዮምን ተጻዊርናዮምን። ንሕና ካብ ናይ ካልኦት ሃገራት ብዙሕ ተመክሮ ክንቀስም ንኽእል ኢና። ቅድም ቀዳድም ነፍስ-ወከፍና ርእሰ-ተኣማንነት ከነጥርይ ኣለና። ንዝኾነ ዘጋጥመና ሽግራት ናትና ምዃኑ ኣሚና ባዕልና ብርእሰ-ተኣማንነት ክንፈትሕ ክንብገስ ኣለና እምበር ኣብ ካልኦት ክንምርኮስ የብልናን። ብድሕሪኡ እንተድኣ መንግስቲ ጨቛኒ ኮይኑ ሽግራትና ብልዝብን ብምርድዳእን እንተድኣ ናብ ዝገደደ ኸይዱ ግን ከም’ቶም ካልኦት ሃገራት ሽግራተን ንኽፈትሓሉ ዝተጠቀማሉ ዘይ-ጎነጻዊ አገባባት ማለት ከም ዘይበርጌሳዊ ዘይምእዙዝነት(Civil disobedience)፡ተቃውሞታት ብምክያድ(Protest)፡ ኣድማታት ብምክያድ(Demonstration): ቁጠባውን ማሕበራውን ኣብያ ብምክያድ (Economic and social non-cooperation) ክንፈትሕ ንኽእል።

ንምዃኑ ንሕና ኤርትራውያን ነዞም ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኮይኖም ከም ህቡባት ኮሜድያን ዘባጭዉልና ዘለዉ መራሕትና፡ ካብቲ ጸቒጡና ዘሎ ድቃስ ብምብርባር ኣፍና ከፊትና መዓስ ኢና ንነቕፎም? እቶም ኣብ ውሽጥን ደገን ኮይኖም ከም ተሓለቕትን ዓንዲ’ቲ ስርዓት ብምዃን ነቲ ውርደትን ከርፋሕ ናብራ ዘስተማቕር ዘሎ ለዋህ ኤርትራዊ ኣብ ፈቖዶ ምቾት ናብራ እናስተማቐሩ ከባጭዉሉ ክትርእይ እንከለኻ ኣየገርምን? መን’ዩ ንምዃኑ መንግስትኹም ሕማቕ ይገብር ኣሎ፡ ንዑ ነቐፌታኹም ኣበርክቱ ክብለና ንጽበ ዘለና?

ብሰንኪ ናትና ድኽመት ማለት መንግስቲ ጌጋ እናገበረ እንከሎ ክንዲ ንነቕፍ፡ ትም ብምባልናን ክንነቅፍ ብዘይምፍታንና፡ መራሕትና ንዝግብኣና ሰብኣዊ፡ ሲቪላውን ዲሞክራስያውን መሰላትና መንዚዖሞ፡ ንህዝቢ ዝኣተውዎ መብጽዓታት ድማ ጠሊሞም። ስለዚ ሕጂ’ውን ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን ከምዝብሃል ኩልና ኣብ ውሽጥን ደገን ንርከብ ኤርትራውያን ንኣካይዳ መንግስቲ ጥራሕ ከይኮንና ንኣተሓሳስባን ጌጋ ኣካይዳ ህዝብና እናተማዓዓድና ንናቓቐፍ። ስጋብ ኣብ ሃገርና ለውጢ ዝመጽእ ትም ኣይንበል። ኩልና ነንሓድሕድና እናተረዳዳእናን እሂን ምሂን እናተበሃሃልና ንመሰል ህዝብና ንስራሕ። ነዘይሓላፍነታዊ መሪሕነት ንኾንን። ከምኡ’ውን ናይ ሓሳባት ፍልልይ ከምዘሎ ተረዲእና ተጻዋርነት ነጥርይ።

መራሕትና ዓቢ ፍሽለት ዘጋጠሞም ናይ ማዕከናት ዜና ጀጋኑ እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘፍረይዎ ነገር እንተሎ ክሳራ እምበር ካልእ ወላሓንቲ የልቦን። ስለዚ እስከ ንዖኦም ንረስዓዮም እሞ ናብቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ነተኩር። ከምቲ ኣቦታት ዝብልዎ ሓደ ናጻ ህዝቢ ባዕሉ ንባዕሉ የማሓድር። ስለዚ እቲ ቀንድን ዝበዝሐ ጌጋ ኣባና ኣብ ህዝቢ እምበር ኣብ መራሕትና ኣይኮነን። ዘይሓላፍነታዊ፡ እንታይ ገደሰኒ ካብ ዝባንና ቀንጢጥና ንሓልዮት፡ ማዕርነትን ዲሞክራስን ህዝብና ክንሰርሕ ንትዓጠቕ።

ብንእስነትና ኣብ ኣእዛንና ዝደጋገም ዝነበረ ቃል ተስፋ፡ ተረከብቲ ሃገር፡ ወረስቲ ሕድሪ መጻኢ ኤርትራ ዝብሉና ዝነበሩ ሕጂ ህጣሙ ናበይ ጠፍአ። እቶም ብዕልልታን ሓጎስን ዝተቐበልናዮም መራሕትና፡ ኤርትራ ኣብነት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ናይ ኣፍሪቃ ሲንጋፖር ክትከውን እያ ከምዘይበሉና ሕጂ ድኣ እንታይ ተረኽበ? ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ስለምንታይ ኢና መራሕትና ዝበሉና ኹሉ ኣሜን ኢልና ተምበርከኽትን ምእዙዛትን ኮይና ንነብር? ነንዝተባሃልናዮ ሕራይ ኢልና ምኻድ ናብ ዘብኣሰ ሽግራት ከእትወና እምበር ፍታሕ ኣየምጽኣልናን እዩ።

ዳዊት ማእከለ
ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.
ደቡብ ኣፍሪቃ