ኣብ ግንቦት 24 2006 ዝቐረበ መደረ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ሽሕ’ኳ ደፊርና ንጹር መልእኽቲ ኔሩ ክንብል ዘይንኽእል እንተኾንና፡ ብዛዕባ ትሕዝትኡ ግን ገለ ነጥብታት ኣልዒልካ ክዝረብ ይከኣል’ዩ። ብሓፈሽኡ፡ መደረ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ንህሉው ፖለቲካውን ቁጠባውን ምዕባለታትን ብድሆታትን ሃገርና እንታይ ከምዝመስል ክሕብር ዝዓለመ ይመስል፡፡ ሓደ ካብዞም ነጥብታት ክንጠቅስ እንተ ኮይንና፡ መደረ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ማሕበረ-ቁጠባዊ ሓርነትን ምዕባለን ንኽንጭብጥ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ከምዝጸናሕና ይሕብር። ከም ውጺኢቱ ድማ ብዙሓት ልምዓታዊ ስርሓት ከምዝተሰለሰሉ ይገልጽ።
ብኣገለልጻ ፕረሲደንት ኢሰያስ፡ እዞም ልምዓታዊ ስርሓት ንዝተሃንጹ ጽርግያታት፣ ሓጽብታት፣ ገዛውቲ፣ ሕርሻዊ ንጥፈታት፣ መዓልቦ ነፈርቲ፣ ቤት-ትምህርትታትን ካልኦትን የጠቃልል። እዞም ተሰላሲሎም ዝበሃሉ ልምዓታዊ ስርሓት ከኣ፡ ብናጻ ጉልበት መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ከም ዝተሃንጹ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሕጽር ብዝበለ ኣብ መዛዘሚ ናይ መደርኡ ይእምት። ብተወሳኺ፡ እንተደኣ ብዕሙቅ ዝበለ ኣገባብ ክንርድኦ ፈቲንና፡ ኣብ መደረ ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ሓደ ተጋራጫዊ ሓሳባት ክንርዳእ ንኽእል። በቲ ሓደ ዕውታት ልምዓታዊ ንጥፈታት ከምዝተሰላሰሉ ይሕብር። በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ፡ መደረ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሕጽረት መግብን ከቢድ ድኽነትን ኣብ ሃገርና ከም ዘሎን፡ ነዚ ንምብደህ ድማ ክንጸንዕን ኣበርቲዕና ክንሰርሕን ይጽውዕ። እምበኣርከስ፡ እዞም ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ንክንጭብጥ ኢልና ንዓመታት ከነካይዶም ዝጸናሕና ልምዓታዊ ንጥፈታት ካብ ድኽነትን ሕጽረት መግብን ክንገላገል ዘይሓገዙና ካብ ኮኑ፡ ውድዓውነቶም ደጊምና ክንግምግሞ ኣገዳሲ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ።
ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ክንብል ኮለና እንታይ ማለት እዩ?
ብመሰረቱ ምህናጽ ሃገራዊ ቁጠባዊ ምዕባለ ካብ ምህናጽ ማሕበረ-ስብኣዊ ምዕባለ ፈላሊና ክንሪኦ ፍጽም ኣይንኽእልን። ብልክዕ ኸኣ ቁጠባዊ ምዕባለ ማለት መስርሕ ምምሕያሽ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ደቂ-ሰባት ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ዓመታዊ እቶት ናይ ዜጋታት ክብ ብምባል፡ ድኽነት ብምጥፋእን፡ ቁጠባውን ንግዳውን ዕድላት ናይ ዜጋታት ብምዕዛዝን ክረጋገጽ ይከኣል። እቲ ዝበለጸን ውሕሉልን ኣገባብ ኣብ ሓንቲ ሃገር ቁጠባዊ ምዕባለ ክረጋገጽ ዝኽእል ከኣ፡ ህዝቢ ናይ ገዛእ-ርእሱ ምዕባለ ከመሓድር ሓላፍነትን ናጽነትን ምስ ዝህልዎ ይኸውን። እዚ ማለት ግን፡ መንግስቲ ንኹሉ ኣባል ሕብረተሰብ መሰረታዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጠለባቱ፡ ከም መግቢ፣ ማዕከናት ጥዕና፣ ቀረብ ማይ፣ መንበሪ ገዛን ካልኦትን ንኸውሕስ ግዴታ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ መንግስቲ መሰረታዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ መሰላት ናይ ህዝቢ ከውሕስ ዝግደድ፦ ሓደ፡ ስርሑ ስለዝኾነ፡ ካልኣይ ድማ ብመሰረት ናይ ህዝቢ ጻውዒትን ጠለባትን ክኸውን ይግባእ። ካብዚ ሓሊፉ ግን ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕበለ ንምውሓስ ኢልካ፡ ህዝቢ ኣብ ዘይፈልጦ፣ ዘይተመያየጠሉን ኣድላይነቱ ብግቡእ ዘይተረድኦን ልምዓታዊ ስርሓት ብሓይሊ ቀሲብካ ከምዝሰርሕ እንዳገበርካ ቁጠባዊ ምዕባለ ከተረጋግጽ ምህቃን መወዳእትኡ ሕልሚ ጥራይ ኮይኑ ይተርፍ። ብዓቢኡ’ውን እንተዀነ እዚ ኣገባብ ምሕደራ ምስ ምግሃስ መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሪ፣ መሰልን ናጽነትን ናይ ዜጋታት ይቑጸር።
ህልው ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ሃገርና:
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት እንተ ወሲድና፡ እቶም ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ተሰላሲሎም ዝበሃሉ ልምዓታዊ ስርሓት፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጠለባት ናይ ህዝቢ ንኸውሕሱ ብቑዓት ከምዘይኮኑ ብቐሊሉ ክንርዳእ ንኽእል። እዚ ሓቒ’ዚ ኸኣ፡ ኤርትራ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ናይ መግቢ ሕጽረት ሓደጋ ከም ዘላ፡ መደረ ፕረሲደንት ኢሳያስ ንኩልና ብሩህ ከምዝኸውን ጌሩ ይርከብ። ጠንቒ ናይዚ ሽግር ብዙሕ እኳ ክብሃል እንተተኻእለ፡ እቶም ቐንዲ ግን ነዞም ክልተ ረቛሒታት የማልእ። ሐደ፡ ከም ልሙድ ተርእዮ ኣብ ኤርትራ እቶም ብመንግስቲ ዝውጠኑ ልምዓታዊ መደባት፡ መብዛሕትዞም ብናይ ምዕራባውያን መንግስታትን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ዝምወሉ ኮይኖም፡ ንድሌት፣ ጠለባትን ጻውዒትን ህዝቢ ዘማእክሉ ኣይኮኑን። ካልኣይ፡ ኩሎም እቶም መደባት ብናጻ ጉልበት መንእሰያት ወትሃደራዊ ኣገልግሎት እዮም ዝሰላሰሉ። እዞም ክልተ ረቛሒታት ኸኣ፡ ኣብ ኤርትራ ንስነ-ሓሳብን መሰረታዊ ትርጉምን ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ኣሰንኪሎምዎ ይርከቡ።
ነዚ ጉዳይ ጥልቕ ኢልና እንተሪኢናዮ፡ ኣብ ኤርትራ፡ መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት፡ ንትሕዝቶን መትከላትን ኣብ 1994 ዝጸደቐ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ብዝጻረር መገዲ፡ ንዓመታት ዝኣክል፡ ከም ዜጋታት፡ ከቢሮም ንኽነብሩ ኢሎም፡ ዝሰርሑ፣ ዘፍርዩን ዘህልኹን ደቂ-ሰባት ኮይኖም ክውሰዱ ኣይጸንሑን። እንታይደኣ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ብመንግስቲ ዝውጠኑ ልምዓታዊ መደባት ጥራይ ተዋፊሮም፡ ከም ዘፍርዩን ዘህልኹን ነገራት ወይ ኣቑሑ ኢዮም ክሕሰቡ ጸኒሖምን ዘለውን። ከም ሳዕቤኑ፡ እዞም መንእሰያት፡ ወነንቲ መጻኢ ህይወቶምን ምዕባለ ሕብረተሰቦምን ካብ ምዃን ተሓሪሞምን፡ ካብ ናይ ብሓቂ ህይወት ከኣ፡ ተገሊሎም ንኽነብሩ ይግደዱ ኣለው። እዚ ሓቒ’ዚ ድማ፡ ምስቲ ደጋጊምና እንንየተሉ ቀንዲ ሃብትና ሰብአዊ ዓቕምና’ዩ ዝብል ስነ-ሓሳብ፡ ፍጹም ዘይሳነን ተጻራርን ኮይኑ ንረኽቦ። ምኽንያቱ፡ እዚ ኩነት’ዚ፡ ንሓደ መንእሰይ ዜጋ፡ ሞያዊ ዓቕሙ ንኸማዕብል ዘይሕግዝ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እኳ ደአ በንጻሩ ዝነበሮ መሊሱ ዘጥፋአሉ ኮይኑ ንረኽቦ።
መንእሰይ ዓንዲ-ሕቖ ምዕባለ ሓደ ሕብረተሰብ እዩ ክብሃል ካብ ብዙሕ ማእዝናት ክንሰምዕ ጸኒሕና ኢና። ኣብ ሓንቲ ሃገር መንእሰያት ግቡእ ኣካደሚያዊ ትምህርቲ እንተዘይቐሲሞም፡ በብክእለቶምን ተውህቦኦምን‘ውን ኣብቲ ሕብረተሰብ ብወለንታ ክሳተፉን ከፍርዩን እንተዘይኪኢሎም፡ ኣብታ ሃገር ዝኾነ ዓይነት ምዕባለ ክመጽእ ይኽእል እዩ ኢልካ ምሕሳብ፡ ፍጹም ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ይኸውን። ኤርትራውያን መንእሰያት ድማ፡ እዚ ትዕድልቲ’ዚ ስለ ዘጋጠሞምን፡ ወነንቲ መጻኢ ህይወቶም ካብ ምዃን ተዓጊቶም’ሲ፡ ሎሚ ተስፋ ቖሪጾም ብኣዝዩ ዘሰንብድ ኣሃዝ፡ ካብ ሃገር ክስደዱ ኩልና ንዕዘብ ኣለና። ነዚ ኣገዳሲ ሓቒ’ዚ ግን፡ ፕረሲደንት ኢሰያስ፡ እንተስ ኮነ ኢሉ ዕሽሽ ክብሎ ደልዩ፡ ወይስ ክበርሃሉ ስለዘይከኣለ፡ ኣብ መደርኡ ካይጠቐሶ እዩ ሓሊፉ።
መንግስቲ ነዚ ጉዳይ እዚ ዕቱብ ኣቓልቦ ሂቡ መፍትሒ ከምጻሉ ክሳብ ዘይፈተነ ኸኣ፡ መንእሰያት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብመንግስቲ ዝውጠኑ ልምዓታዊ መደባት ንኸተግብሩ፡ ምእዙዛት ካብ ሙዃን ኣቛሪጾም፡ ኣብያኦም እንተገለጹ፡ ሞራላውን ሕጋውን መሰሎም እዩ፡፡ ህዝቢ ኸኣ፡ እዞም መንእሰያት ኣብያኦም ኣብ ዝገልጽሉ እዋን፡ ኩነታቶም ብዕሙቕ ዝበለን ሕልና ብዝሓትትን ኣገባብ ተረዲኡ፡ ኩሉ ዓይነት ምትሕብባራት ከወፍየሎም ይግባእ።
ዮኤል ኣለም
ደቡብ ኣፍሪቃ