ከም ኣያታቱ…ኦቴሎ ሓላልን ርህሩህን ኮይኑ እዩ ተፈጢሩ። ኣብ ትምህርቲ ዝኣምንን ዝግደስን…ምስ መሓዙቱ ተጻዋታይን ህቡቡን ነበረ። ሁዱእ…ኣእምሮኡ ኸኣ ንጹህ ኮይኑ፡ ንምዕባለን ብልጽግናን ካብ ምሕሳብ ፍጹም ኣቛሪጹ ኣይፈልጥን። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ…ንቤተሰቡ፡ መቕርቡን ህዝቡን ንኸገልግልን ከማዕብልን ሃገራዊ ጻውዒት ቀረበሉ። ኣብቲ ግዜ‘ቲ ዕሸል እዩ ኔሩ። እቲ ጻውዒት… ሰናይ ሓሳብን ስነ-ምግባርን እዩ…ክብል ብምእማን ብወለንትኡ፡ ኣሰር ኣያታቱ ተኸቲሉ፡ ኩሉ እቲ ኣቐዲሙ መዲብዎ ዝነበረ ናይ ትምህርትን ምዕባለን ጎደና ሰሪዙ፡ ህዝቡ ንኸገልግል ተበገሰ። ዓቕሙ ገዚፍ…ሕልንኡ ጻዕዳ ሙዃኑ ዝተረድአ ኩሉ ኣሰየ ኣሰና እንዳበለ ዘሚሩሉን ወዲሱዎን። ወትሃደራዊ ታዕሊም ተዓሊሙ…ኣብ ወትሃደራዊ ግጥማት‘ውን ተረባሪቡ…ንሃገሩ ተኸላኺሉ። ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ንህዝበይ የገልግሎ ኣለኹ ኢሉ ስለ ዝኣመነ፡ ንዓመታት ብቐጻሊ…ብሕጉስ መንፈስ…ይኣኽለኒ ከይበለ…ጉልበቱ ከይቖጠበ…ግራውቲ ኣልሚዑ…ገዛውቲ‘ውን ሃኒጹ።
ሓደ እዋን…ኦቴሎ ካብቲ ተመዲቡ ዝሰርሓሉ ዝነበረ ቦታ…ነቶም የገልግሎም ኣለኹ እንዳበለ ዝእመነሉ…ቤተሰቡን መቕርቡን ክበጽሖም…ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ምፍልላይ…ናይ ዓሰርተ መዓልታት ዕረፍቲ ተፈቕደሉ።….በዚ ኸኣ ኦቴሎ ኣዝዩ ተሓጎሰ። እንተኾነ ግን ኦቴሎ ንቤተሰቡን መቕርቡን ኣብ ዘይተጸበዮም ኩነታት ናብራ እዮ ረኺብዎም። ካብቲ መጀመርታ ዝገደፎም ብዝበኣሰ ደኽዮም…ገዛ ኽራይ ምኽፋል ሲኢኖም…ኣብ ንእሽተይ ምድር ቤት ምስ ቤተዘመድ ተጸጊዖም ክነብሩ ጸንሕዎ። ኦቴሎ ብኹነታት ቤተሰቡ ኣዝዩ ሓዘነ…ደንጺዎ…ዝብሎ‘ውን ጠፍኦ። ዓቕሉ ጸቢቡዎ…ከምዚ ክብል ኸኣ ንነብሱ ሓተታ…ንመን ኢለ ዲየ እዚ ኹሉ ግራውቲ ዘልምዕ? አረ ንመን ኢለ እየኸ እዚ ኹሉ ገዛውቲ ዝሃነጽኩ?... ኦቴሎ ካብ ምስ ነብሱ ምክታዕ ሓሊፉ ካልእ ክገብሮ ዝኽእል ኣይነበረን። ነዚ ዝተዓዘቡ ገለ ብህይወት ዘለው ኣያታቱ…..እምበርዶ መንእሰይ እዩ…እዚ ኹሉ ሽግር ህዝቡን ቤተሰቡን እንዳረኣየስ ትም ይብል…ደይ ከም ኣያታቱ……ክብሉ ንኦቴሎ ከናሽውዎ ይስምዑ። ኦቴሎ ግን ዝሓቶ ኣካል ሲኢኑ ወይ ጃጅዩ ዘይኮነስ፡ ናቱ ዓበይቲ ምኽንያታት ስለዘለውዎ እዩ።
ኦቴሎ ኣብቲ ንዓመታት ዝተዋፈረሉ ሃገራዊ ወትሃደራዊ ኣገልግሎት…ለይትን መዓልትን ብዘይሙቑራጽ…ንዝወሃብዎ እልቢ ዘይብሎም ትእዛዛት…ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ተቓውሞ ንኽትግብሮም እዩ ተነጊርዎ። ከምዚ ምስ ዘይትግብር ግን…እቲ ንሃገርካን ህዝብኻን ምግልጋልን ምምዕባልን ዝብል ቅዱስ ዕላማ ኦቶሎ፡ ክውን ክኸውን ከም ዘይክእል እዩ ተሓቢሩዎ። ነዞም ትእዛዛት ከትግብር ድማ…ሃገራዊ ግቡኡን፡ ኣያታቱ ዘምበርሉ ሕድሪ ሙዃኑን እዩ ተመኺሩዎ። ካብዚ እምንቶ ብምብጋስ…ኦቴሎ ብሓላፊኡ ንዝወሃብዎ ትእዛዛት…ጉልበቱ ከይቖጠበ…ብዘይ ሕቶን ተቓውሞን የተግብሮም። ኦቴሎ እዞም ትእዛዛት ንቤተሰቡን፡ መቕርቡን ወይ‘ውን ብዓቢኡ ንህዝቡ የርብሑ ድዮም ኣይኮኑን ኢሉ ሓቲቱ ኣይፈልጥን። ባህሪ ወድ-ሰብ ኮይኑ ወዝቢ እንተሓተተ‘ውን ከም ኣገናዚቡ ዘይክልን ዘይለበመን ቖልዓ ይቑጸር። ካብ መራሕቱ ኸኣ እንተወሓደ መግናሕትን ምንሻውን እንተበዝሓ ከኣ ሕድሪ ኣያታትካ ምኽባር ኣቢኻ ተባሂሉ መሪር መቕጻዕቲ የጋጥሞ።
ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ኦቴሎ ሃገርካን ህዝብኻን ምግልጋል ማለት፡ ትእዛዛት ሓላፊኻ ምትግባር፡ ንሓላፊኻ ምእዙዝን ተምበርካኽን ምዃን፡ ማለት ከም ከምዝኾነ ከይተፈለጦ ክኣምን በቒዑ። ብሓቒ ሎሚ ኦቴሎ ስነ-ኣእምሮኣዊ ተመቑሑ ንዝኾነ ኣብ ሓላፍነት ዘሎ ሰብ ሓድሽ ምእዙዝን ተምበርካኽን ናይ ሙዃን ኣመል ኣማዕቢሉ ይርከብ። እወ ኦቴሎ እቲ ኣብ ፈለማ ብዕሸሉ ኸሎ ብግርህንኡ ዘወፈዮ ክብሩ፣ ናጽነቱ፣ ትብዓቱን ርህራሀ ህዝቡን ሎሚ ተመሊሱ ክዕቕበሉ ኣብ ዘይክእል ኩነታት ከምዝበጽሓ ክንዕዘብ ንኽእል። ኦቴሎ ዋላ‘ኳ ንቤተስቡ ክሕግዝ ክብል ካብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተኾብለለ፡ ዋላ‘ውን ካብ ዓዲ ወጺኡ ናብ ስደት እንተኣምርሐ፡ ሽግር ስድራ-ቤቱን ህዝቡን ኣብ ግምት ከይኣእተወ፡ ኩል ግዜ ገበነኛ፣ ሕጊ ዝጠሓሰን ከዳዕን ኮይኑ ክስምዖ ኸሎ ክትዕዘብ ከለኻ እቲ ሓቂ ብዛዕባ ኩነታት ኦቴሎ ጎሊሑ ይርኣየካ።
እምበኣርከስ እዚ ስለ ዝኾነ‘ዩ ኦቴሎ ንዝኾነ ኣብ ዓይኑ ዝረኣዮ ወይ እግረ-መገዱ ዘጋጥሞ ኣሰቀቕቲ ኩነታት ቤተሰቡን ህዝቡን ንዝምልከቶ ኣካል ከም መንእሰይ ኣፍ-ልቡ መሊኡ ክሓተሎም ህርዲግ ዘይብል። ዕሸል መንእሰይ ንዝተዓለሞን ዝተምሃሮን ተግባራት እዩ ዘንጸባርቕ ክብሃል ክንሰምዕ ጸኒሕና ኢና፡፡ ታዕሊምን ኣተሓሕዛን ኦቴሎ ኸኣ ምእዙዝን ተምበርካኽን ንኽኸውን እዩ ደሪኽዎ። እዚ ምእዙዝ ናይ ምዃን ኣመል፡ ኦቴሎ ባዕሉ ኮነ ኢሉ ዘምጽኦ ካብ ዘይኮነ፡ እቶም ዝሓሸ ክዕልምዎ ብሞራል ዝግደዱ ኣያታቱ ደኣ ሕጂ እንታይ ግበር እዮም ዝብልዎ።
ንኦቴሎ ኣያታቱ ከናሽውዎ ኣይኮኑን ዘለዎም። እቲ ካብ ኦቴሎ ተኸዊሉ ዝነብር ዘሎ ሓቂ እንታይ ሙኻኑ ክእምቱሉን ከብርህሉን እዩ ዝግባእ። ንሓላፊ ምእዙዝ ይኹን ኣይኩን ብዘየገድስ፡ ኦቴሎ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ሓይልን ስልጣንን ዘለዎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣካል ናይ ሕብረተሰቡ ከም ዝዀነ ክሕብርዎ ይግባእ። ኦቴሎ ባዕሉ ብዝወስዶም ስጉምታትን፡ ብዝገብሮም ንጥፈታትን፡ ንኩነታት ቤተሰቡን ህዝቡን ወይ የጋድዶ ወይ ከኣ የምሓይሾ። ሕጂ‘ውን እታ ናይ ሰላም፣ ፍትሕን ምዕባለን መንኮርኮር ኣብ ኢድ ኦቴሎ ከም ዘላ ክሕበሮ ይግባእ። መጻኢኡን መጻኢ ዕድል ቤተሰቡ፣ መቕርቡን ህዝቡን ድማ፡ ኦቴሎ ንገጽ እታ መንኮርኮር ናበየናይ ማእዝን የቕንዓ፡ ብሰፊሑ ይውሰን።
ዮኤል ኣለም
ደቡብ ኣፍሪቃ