ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን / ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ./ ካልኣይ ምዱብ ዓምታዊ ጉባኤኡ ብሰንበት  26 መጋቢት, 2006 ብኽብ ዝበለ ጽምብል ኣብ ከተማ ፕሪቶሪያ: ደቡብ ኣፍሪቃ  አካይዱ።  ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ወከልቲ ጨናፍር፡ ኣባላትን የዕሩኽ   ኤ.ም.ዲ.ሰ.መን ተሳቲፎም ።

 

ተሳተፍቲ ጉባኤ ካብ ዓርቢ 24 መጋቢት 2006 ምሸት ጀሚሮም ካብ ዝተፈላለዩ  ቦታታት ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ርእሰ ከተማ ፕሪቶሪያ ክመጹ ጀሚሮም። ብመሰረት  ኣዳላዊት ሽማግለ ዘውጽኣቶ መደብ፡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ቀዳም ዕለት 25 መጋቢት ካልኣይ ምዱብ ኣኼባኦም ኣካይዶም። እዚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ድሮ ጉባኤ ዝተቓነዐ ኣኼባ ኩሎም ኣባላት ቤት ምኽሪ ተሳቲፎሞ። ካብ ፈጻሚ ኣካል ዝቐረበሎም ጸብጻብ  ብምስማዕ ርሱን ክትዓት ድሕሪ ብምክያድ ውሳኔታት ብምሕላፍ ኣኼባ ሰዓት ዓሰርተ ናይምሸት ተዛዚሙ።

 

 

ቤት ምኽሪ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣብ ኣኼባ

 

ንጽባሒቱ ሰንበት  26 መጋቢት, 2006 ድማ ወከልቲ ጨናፍርን ክሳተፉ ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ኣባላትን ዕዱማት ኣጋይሽን ናብቲ ካልኣይ ጉባኤ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ዝካየደሉ ቦታ መጹ። ኣደራሽ ጉባኤ ድማ ብዝተፈላለዩ ጽሑፋትን ጭርሖታትን ወቂባ መርሓባ በለቶም።

 

ምልኣተ ጉባኤ ምስተረጋገጸ ኣፈኛ ቤት ምኽሪ ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብርሃም ብስም ኣሰናዳኢት ሽማግለ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ድሕሪ ምስማዕ፡ ነቶም ፍትሒ ተሓሪምዎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኤርትራ ብግፍዒ ዝተቐትሉን ዝሳቐዩ ዘለዉን ዜጋታት ሓደ ደቒቕ ዝኽሪ ብምግባር ጉባኤ ክኽፈት ዓዲሙ። ድሕሪዚ  ብዝወጸ መደብ ብመሰረት ኣቶ ኩሉብርሃን መድረኽ ንኣቦ መንበር ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣቶ ሳሙኤል ቢዘን ኣረከቦ።

 

 

ኣቶ ኩሉብርሃን መደረ እናስመዐ

ኣቶ ሳሙኤል ቢዘን ብወገኑ ንተሳተፈቲ ጉባኤ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል ኣዳላዊት ሽማግለ ብምምስጋን ፡ ዓመታዊ ጸብጻቡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቅልውላው ብምግላጽ ጀሚርዎ። ኣቶ ሳሙኤል ፡ ህዝብና በቲ ዝኸፍአ ኩነታት ይሓልፍ ከምዘሎን እቲ ኩነታት መዓልታዊ እናገደደ ይኸይድ ምህላው ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብሪሁ።

 

 

ኣቦ መንበር ኤምዲሰመ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘን ኣብ 2ይ ጉባኤ

 “ኣብ ኤርትራ ሎሚ ድምጽኻ ተስምዓለን ናጻ ማዕከናት ዜና የለዋን፡ ንፖለቲካዊ ይኹን ሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቓ ፖለቲካዊያን ውድባት ወይ በርጌሳውያን ማሕበራት የለዋን፡ ሃይማኖታዊያን ትካላት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽር መንግስቲ ይርከባ። ኣብ ኤርትራ ሎሚ ቁጽሪ ውተሃደራዊያን ማዓስከራት እምበር ቁጽሪ ዩኒቨርስቲታት ኣይኮነን ዝውስኽ ዘሎ። ኣብ ኤርትራ ሎሚ ዓስከር ንክኸውን ዝተፈርዶ መንእሰይ እምበር፡ ተማሂሩ ንኽምዕባል፡ ንስድርኡ ንክሕግዝ ፡ ሃገሩ ንክሃንጽ ዕድል ዝውሃቦ የለን።

 

ሎሚ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ብዙሓት ካብ ምረት ጭቖና ዝተላዕለ፡ ፈንጅን ጠያይትን ጥሒሶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣትዉ፡ ኣጻምእ ሰሃራን፡ ባሕርታትን ዝሰግሩ ዘለው ዉሑዳት ኣይኮኑን። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኦቶ፡ ሄሊኮፕተር ተኣሲሮም ኣብ ጸሓይን ሃሩርን ቀራዕ ኢሎም ዝሳቐዩ ዘለዉ ንኣሽቱ መንእሰያት ከምዘለዉ ምግማት ዝስእን ተሳታፋይ እዚ ጉባኤ ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን። ኣብዚ እዋን ክንደይ ኤርትራዊያን የሕዋትና ንዓመታት ዝኣክል ኣብ ዘይፍለጡ ጎዳጉዲ ተኣሲሮም ፍትሒ ስኢኖም ይሳቐዩ ኣለዉ ኢልና እስኪ ንሕተት …”

 

ኣቶ ሳሙኤል ነቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ምረት ድሕሪ ምጥቃስ፡ ነዚ ዘሎ ኹነታት  ምቕያር  ናይ ነፍሲወከፍ  ኤርትራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

 “እዚ ብምግንዛብ ድማ ካብ ዝነበርናዮ ናይ ምቾት ዞና ፍርሒ ድማ ብቐንዱ መኪትና፡ ንኽመጽእ ዝኽእል ተቓውሞታት ክንገጥሞ ወሲናስ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘሎና ኤርትራውያን ኣሃዱ ኢልና ነዚ ምንቅስቓስ መስሪትና ኣብ ምብዓል ካልኣይ ጉባኤና እንርከብ። እዚ ንገብር ዘሎና ጊዜ ስለዝበዝሓና ንገብሮ ነገር ስለዝሰኣና ዘይኮነስ፡ ጾር ዝሓለፉ ኣቦታትና፡ ዓበይቲ ተጋደልቲን መሓዙትና ዋርሳያትን ዝተሰወእሉ፡ ኣሽሓት ብሂወት ዘለዉ ኣብ ማሕዩር ዝሳቐይሉ ዘለዉ ምርግጋጽ ልዕልና ሕጊ፡ ፍትሒ፡ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ጉዕዞ ከምቲ ኣቦና ሸኽ ዓብደልቃድር ከቢረ ዝበልዎ “ቃልስና ወይ ፍትሒ ምርካብ ወይ እንዳፈተንካ ብኽብሪ ምስዋእ’ዩ” ።

ጉባኤ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.

ኣስዒቡ ኣቦ መንበር ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኩነታት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን ዘካየዶም ንጥፈታትን ዝምልከት ጽሟቕ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ኣቶ ሳሙኤል ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣብዚ ዝሓለፈ ፈታኒ መድረኽ ነብሱ ኣብ ምህናጽ ከምዝጸንሐን ሓይሊ ደሊቡ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምዝርከብን ገሊጹ። ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፋይናንሳዊ ጸብጻብ እውን ንጉባኤ ቀሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝኣተወን ዝወጸን ገንዘብ ብኣሃዝ ተነጺሩ። ከምኡውን ዝርዝር ምንጪ ኣታዊታት ነቲ ጉባኤ ቀሪቡ። እቲ ጸብጻብ ብደቂቑ ብኽፍሊ ፋይናንስን ምሕደራን  ተዳልዩ ንቤት ምኽሪ ኣብ ዝተዓደለ ሰነድ ተነጺሩ ኣሎ። ኣቶ ሳሙኤል ብምቕጻል፡ ዋላኳ ዓቕሙ ድሩት እንተነበረ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ብተወፋይነት ኣባላቱ ዕላማኡ ንምውቃዕ ሓያሎ ንጥፈታት ከምዘካየደ ንተጋባእቲ ሓቢሩ። ገለ ካብቶም ቀንዲ ዝተጨበጡ ዓወታት፡

  1. ነብሱ ንምልላይን ሓበሬታ ንህዝቢ ምዝርጋሕን ዘኽእሎ መርበብ ሓበሬታ www.emdhr.org ሰሪሑ  ይርከብ
  2. ወርሓዊት መጽሔት “መሰለይ” ከሕትም በቒዑ- ድሮ 3ይ ሕታም በጺሓ
  3. ምስ ትካል ተስፋ ደሊና ብምትሕብባር ኣብ ሰሙን ሓደ ጊዜ ናይ ሬድዩ ፈነወ ጀሚሩ
  4. ምስ ዝተፈላለያ ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ማሕበራት ርክባት ብምምዕባል ናይ ሓባር ስራሓት ኣሰላሲሉ
  5. ሓደ ብዛዕባ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ንምክያድ ዝሕግዝ መጽሓፍ ንምድላው ዓቢ መጽናዕታዊ ፕሮጀክት ሓንጺጹ ኣብ ምዝዛም ይርከብ
  6. ንብዙሓት ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቑባ ደገፍ ሂቡ
  7. ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምቅላዕ ዝተፈላለዩ ጥርዓናት ንማሕበረሰብ ዓለም ኣቕሪቡ
  8. ቁጽሪ ኣባላቱ ብዝተዓጻጸፈ ወሲኹ
  9. ሓድሽ ርእሱ ዝኸኣለ ቤት ጽሕፈት ከፊቱ
  10.  ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታት ኣካይዱ ወዘተ...

 

ዝገጠምዎ ብድሆታትን ሕጽረታትን

Ø      ሕጽረት ፋይናንሳዊ ዓቕሚ

Ø      ምጉታት ጉዳይ ሓተቲ ዕቕባ ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

Ø      ዋሕዲ መሳለጥያታት

 

አብ መወዳእታ ካብ ጉባኤኛታት ዝቐረቡ ሕቶታት ድሕሪ ምምላስ፡ ጉባኤ ብመሰረት ዝወጸ መደብ ንቕዋም ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ምምሕያሽ ንምግባር ብኣዳላዊት ሽማግለ ዝቐረበ ንድፊ ብምክታዕን ውሳኔታት ብምሃብን ኣጽዲቑ። ድሕሪ ቐትሪ  ጉባኤ ሰለስተ ዝኣባላታ ኣምራጺት ሽማግለ ብምምራጽ ነቲ ምንቅስቓስ እተካይድ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ መሪጹ። ካብቶም ዝቐረቡ ብርክት ዝበሉ ሕጹያት ድማ እዞም ዝስዕቡ ዝብዝሕ ድምጺ ብምርካብ ተመሪጾም።

1.     ኣቶ ሳሙኤል ቢዘን- ኣቦ መንበር

2.    ኣቶ ዓብደልዋስዕ መሓመድሓድሽ- ፋይናንስን ምምሕዳርን

3.     ኣቶ ሓይልኣብ ኪዳነ- ምምሕዳር ርክባት

4.     ኣቶ ዩኤል ኣለም- ምምሕዳር ፕሮጀክታትን ምወላን

5. ኣቶ ፋኑኤል መስፍን- ምምሕዳር ኣባላትን ጎስጓስን

 

ድሕሪዚ ጉባኤ ሰለስተ ዝኣባላታ  ኦዲት ኮሚተ ፣ 8 ተወሰኽቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፡ኣፈኛን ምክትል ኣፈኛን ቤት ምኽሪ ከምኡውን ሰለስተ ዝኣባላታ ዲሲፕሊን ኮሚተ መሪጹ።  

 

ኣብ መወዳእታ ጉባኤ ካብ ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮጳን  ስዊድንን ዝተላእኩ ናይ ደገፍ መልእኽትታትን ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መግለጺታትን ሰሚዑ። ብተመሳሳሊ ኣቶ ብርሃነ ዝተባህሉ ዕዱም ኣቦ “መንእሰያት ከምዚ ኢሎም ምርኣየይ የሐጉሰኒ” ክብሉ ማዕደኦምን ለበዋኦምን ኣመሓላሊፎም። አፈኛ ቤት ምኽሪ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ ኣቶ ኩሉብርሃን ንተሳተፍቲ ጉባኤ ደጊሙ ምስጋናኡ ድሕሪ ምቕራብ ካልኣይ ጉባኤ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ሰዓት 6፡00 ናይ ምሸት ብዓወት ተዛዚሙ።

 

 

ምምሕዳር ርክባት

ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ 2006