ኤ.ፍ.ዲ.በ.
ጋዜጣዊ መግለጺ
አብ ኤርትራ ሃገርና ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምውሳድ፡ ካብ ዕለት 18 ስጋብ 19 መጋቢት (March) 2006 ዓ.ም. አብ ሆላንድ Soesterberg ዝበሃል ቦታ ንኽልተ መዓልታት ዝኣክል ሰሚናር ተኻይዱ።
እቲ ሰሚናር ብኤርትራውያን ንፍትሕን ዲሞክራስን ኣብ በነሉክሰ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ኩለን ሲቪላውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳን፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባትን ዝተሳተፋኦ ነበረ።
ኣብዚ ሰሚናር'ዚ ትዂረት ዝተገብረሉ ብዛዕባ ኣብ ሃገርና ዘሎ ግጭትን ኣፈታትሕኡን (Conflict resolution) ኢዩ ነይሩ ።
ኣኸበኛ ኣብ ሃገርና ዘለው ግጭታት ኣለልዩ፤ መፍቲሒኦም፡ውን ኣሚቱ ። እቲ ዝተኻየደ ክትዕ ኣብ ጉጅለ (Workshop) ዝተመርኮሰ ኰይኑ፡ ብዓይነቱ ብስለት ዝመልኦ ነበረ። ኣብ መጨረሻ ተሳተፈቲ ሰሚናር ኣብ መንጎ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን መርበብ ኤርትራዊ ሲቪላዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳን ስጡም ርኽክብ ክህሉን ከምኡ ድማ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ቃልሲ በቢወገነን ክትሓጋገዛ ከምዘለን አብ ሓባራዊ ምርድዳእ በኢሐን።
ኣካያዲት ሽማግለ ኤርትራውያን ንፍትሕን ዲሞክራስን በነሉኩስ
ኣምስተርዳመ፡ 20-03-2006