ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!

 

ዝኸበርኩም ኣመንቲ

 

ንሕና ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ እንርከብ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ነዚ ብመንግስቲ ክካየድ ዝጸንሐ ዘይሕጋውን ዘይሞራላውን ምትእትታው ብትዕግስቲ ክንከታተሎ ከምዝጸናሕና ክንሕብር ንፈቱ። መንግስቲ ኣብ ልቡ ይምለስ ይኸውን ብምባልውን ብህድኣት ክንከይድ ጸኒሕና። እዚ ንነዊሕ ጊዜ ንቅድስቲ ቤተክርስትያንና ከንጸላልዋ ዝጸንሐ ኣዕናዊን ሰይጣናውን ተልእኾ ግን እንሆ ኣብ ናይ መጨርሽታ ደረጅኡ በጺሑ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከም ሓደ ገበነኛ ተቖጺሮም ኣብ ገዝኦም ተሓይሮም መሰላቶም ተገፊፎም ብውተሃደራት ክሕለው ይውዕሉ ኣለው። እዚ ኩነታት’ዚ ስለዘተሓሳሰበናን ዘሕዘነናን ከኣ ነዚ መግለጺ ከነውጽእ ወሲንና።

 

ቤተክርስትያንና ቤት ጸሎት እያ። ናታ ዝኾነ ንዘመናት ክስራሓሉ ዝጸንሐ መንፈሳዊ ሕግታት ድማ ኣለዋ። ኣብ ታሪኻ ከኣ ዝኾነ መንግስቲ፡ ዋላ እቶም ጨካናት ዝበሃሉ ሓሚሶማ ኣይፈልጡን ንሳውን ሱቕ ኢላ ክትሕመስ ኣፍቂዳ ኣይትፈልጥን እያ። እዚ መንግስቲ’ዚ ግን ኣብ ታሪኽና ተራእዩ ዘይፈልጥ ንቤተክርስትያንና ይሕምሳ ኣሎ። ፖለቲከኛታት መንግስትን ካድራት ህግደፍን ንዕንወት እዛ ቤተክርስትያን ተላዒሎም ከምዘለው እዚ ንርእዮ ዘሎና ህያው ምስክር እዩ። ንቅዱስ ፓትሪያርክና ኣብ እምነቶም ድው ስለዝበሉን ኣንጻሮም ቀጻሊ ጎስጓስ ክካየድ ጸኒሑ። እንሆ ድማ ሎሚ ኣብ ታሪኽ ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክረስትያን ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ሰይጣናዊ ስራሕ ይግበር ኣሎ። ካድራት መንግስቲ ንቅዱስ ፓትሪያርክና ካብቲ መንፈሳዊ ስልጣኖም ኣውሪዶም ንቤተክርስትያንና መጻወቲ ክግብርዋ ክንሪኢ ከሎና ከኣ መሪር ሓዘን ይስማዓና።

 

ክቡራት ኣመንቲ

 

በዚ ኣጋጣሚ ክንብሎ ንደሊ እንተሎ ንኹሎም እዞም ኣብዚ እከይ ተግባር ዝዋስኡ ዘለው ደቂ ቤተክርስትያን ናብ ልቦም ክምለሱ ንጽውዕ። ከምኡውን ነቶም መንፈሳዊ ሓላፍነቶም ረሲዖም ፖለቲካዊ ጸግዒ ሒዞም ኣብ ምዕናው ቤተክርስትያን ዝዋስኡ ዘለው ጳጳሳት ኣቡነ ሉቃስን ኣቡነ ማርቆስን ብህጹጽ ነዚ ኣዕናውን ዘይመንፈሳውን ምንቅስቓሳቶም ደው ኣቢሎም ንቤተክርስትያንን ኣመንታን ቅዱስ ፓትሪያርካን ክከላኸሉላ ንምሕጸኖም። ካብዚ ሓሊፍኩም ብዘይ ሕጊን ቡራኴን ፓትሪያርክ ኤርትራ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንእትውስንዎ ውሳኔ ከምዘይንድግፎን ንዝምጽእ ሳዕቤናት ድማ ተሓተቲ ምኻንኩም ከነዘኻኽር ንፈቱ።

 

መንግስቲ ኤርትራውን ነዚ ዝገብሮ ዘሎ ዘይሕጋውን ዘይንቡርን ኣጸያፊ ታሪኻዊ ገበን ከቋርጾን ኢዱ ካብ ጉዳያት ቤተክርስትያንና ብህጹጽ ከውጽእ ንጽውዕ። ኣብልዕሊ ፓትሪያርክ ኤርትራ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ተውሲዱ ዘሎ ዘይሕጋዊ ስጉምቲውን ብህጹጽ ደው ክብልን ፓትሪያርክ ኣብ ማዕርጎምን ስልጣኖምን ክምለሱ ደጊምና ንጽውዕ። እዚ ምስዘይከውን ግን ንዝመጽእ ሓደገኛ ሳዕቤናት መንግስትን መሳሪሒኡን ዝኾኑ ውልቅሰባትን ተሓተቲ ምዃኖም ነፍልጥ።

 

ክቡራት ኣመንቲ

ንሕና ብወገንና ነዚ ዝካየድ ዘሎ ሰይጣናዊ ግብሪ እናኾነንና ኣብ ጎኒ ፓትሪያርክና ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ደው ከም እንብልን ንዝኾነ ካብኦም ውጻኢ ዝመጽእ ካልእ ናይ ሓሶት ፓትሪያርክ ከምዘይንቕበል በዚ ኣጋጣሚ ንገልጽ። ኩሉ ኣማኒ ቅድስቲ ቤተክርስትያን ድማ ነዚ ተረዲኡ ኣብ እምነቱ ደው ክብልን ብትሪ ክከላኸልን ንጽውዕ። ኹልና ኣመንቲ ድማ ከየቋረጽና ክንምህለል ደጊምና ንጽውዕ።

 

ሕጂውን ፓትሪያርክና ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ እዮም!

 

እግዚእብሄር ኣምላኽና ንቤተክርስትያንና ካብዚ ገጢምዋ ዘሎ ሰይጣናዊ ፈተና ኣናግፋ!!

 

ክብርን መጎስን ነቲ ልዑል ኣምላኽና ኣሜን

 

 

ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ

 ዞባ ኣፍሪቃ