ስቕታ ኣይጥዑምን

 

 

ስቕ ዝብል ደኣ

እንታይ ኣምሲለ?

ናይ ከንቱነት ተሓምበለ

ኣይርእዮን ትም ኢለ።

 

ድማ ኸኣስ …

 

“ኣብ ሰገነታ ክስቀል፤”

መን ምስ ዓደመኒ?

“ረምታታት ክድርድር፤”

መን ምስ ዘከረኒ?

 

ዝበሃል ግን፡ ኣሎ መሊኡ

እንተዘይደኺሙ በሃሊኡ።

 

ማያት ውቅያኖስ ዘዕለቕልቕ

ከርሲ እምባታት ዘንቀጥቅጥ

መዛሙር’ዶ ውሒዱ እተዘመረ፤

ነጎዳ ጣቕዒት ዘዐመረ?

 

ዝበሃል’ሞ መሊኡ’ሎ፤

ኣብ ቀብሪ ኣውሎ

ኣብ ነገር ዋሎ

ኣብ መርድእ ጓይላ

“ህላ” ምስ “ዝላ”

ይትረፍ “ደበላ”

ፈጣጥ ሓበላ።

 

ናይ ሓቂ እምበር

ዘይኮነ ትምዩን

ቅኑዕ ዘረባ፡ እማን

ሓቂ ‘ሓይሽ

ንኹሉ ኣማን።

 

ኣነስ ግደ ሓቂ …

 

ስም ኣይኮንኩን ዘንጢለ

ስጋ ኣይኮንኩን ዘልዚለ

ዛራ ንብዓት’የ ‘ንጠብጢበ

መሬት ከኣ ጠብጢበ።

 

ምስሉይ ቃል-ዓለም ግን

ብምድሪ የኽዕብ

ብሰማይ የኾንን።

 

እቲ ኽውን ክገሃድ

ሓቅስ ኣይትከሓድ።

 

ምድራዊ ሲኦል ዝናብራና

ኣይልወጥን ብቐለም፣ ብራና።

 

ኣብ ዝጡጥ መንኮብ

ስቡር በረዀዳ

ውዳሰ ይእከል

ሕ-ሉ-ፍ ናእዳ።

 

ኣብ’ቲ ዝግባእ

ከም’ቲ ዝግባእ

ንቡር ኣይከላእ።

 

ዝተጋህሰ መሰል

ብይግባይ ይደንከል።

 

 

ዳንኤል ረዘነ