|
ብኮሚተ ምሕደራ ኤምዲሰመ 1 ሕዳር 2004 ፕሪቶርያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ እቲ፦ ü ብኤርትራውያን ስደተኛታትን ተመሃሮን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቖመ፣ ü ንምህናጽ ሰላማዊት፡ ብልጽግትን መሰል ዜጋታታ ድማ እተኽብር ኤርትራ ዝቃለስ ዘይሻራዊ ሲቪካዊ ምንቅስቓስ፣ ü ከም ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝተጋህደ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ከምኡ ‘ውን ደረት ዝሰገረ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ከርፋሕ መነባብሮ ህዝብናን ‘እንታይ እንተተገብረ ይሓይሽ’ ብዝብል ሃገራዊ ሓላፍነት ዝተበጋገሰ ምንቅስቓስ፣ ü ብምስፋን ስርዓተ-ሕግን ምትካል ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ከምኡ ‘ውን ብትግባረ ዓለም-ለኻዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት፡ ንመሰል ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ውጻእን ብሕጋውን ሰላማውን መገዲ ክቃለስ ዝሕልን ምንቅስቓስ፣ ü ናጽነትን ዲሞክራስን ንምውሓስ ንወለዶታት ዝቐጸለ መስዋእትነትን ናይ’ዚ ዘሎ ስርዓት ፍሸለት ኣብ ምርግጋጽ ራእይ ህዝቢ ኤርትራ ብምስትብሃልን ዝተበገሰ ምንቅስቓስ፣ ü ሓርነት፡ ማዕርነት፡ ፍትሒ፡ ሰላምን ክብርን ንቕቡል ባህግታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምትግባር ኣገደስቲ ዕላማታት ምዃኖም ብምስትብሃል፤ እሞ ድማ ኩሎም ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ንኤርትራውያን ብማዕረ ከም ዝበጽሕዎም ብምእማን ዝተወደበ ምንቅስቓስ፣ ü ንዝሓንጸጾ ሸቶታት ኣብ ምዕዋት ኣድላይነት ዘይሻራውን ዘይፖለቲካውን ሲቪካዊ ኣወዳድባ ብምግንዛብ ዝተመስረተ ምንቅስቓስ፣ ብ31 ጥቅምቲ 2004 ኣብ ከተማ ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ መስራቲ ጉባኤኡ ብዓወት ኣቃኒዑ። ጸብጻብ ናይ’ቲ ዝተኻየደ መስራቲ ጉባኤ እነሆ። ጸብጻብ መስራቲ ጉባኤ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.) ድሕሪ’ቲ ግዚያዊት ኮሚተን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዘለዋ ጨናፍርን ከካይዶኦ ዝቐነያ ተኸታታልን ጽዑቕን ኣኼባታት፡ ብ31 ጥቅምቲ 2004፡ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታትን ዩኒቨርሲታትን ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ኣባላት ምንቅስቓስ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ፡ ኣደራሽ ዩኒቨርስቲ ፕሪቶርያ መስራቲ ጉባኤኡ ብዓወት ኣቃኒዑ። መስራቲ ጉባኤ፡ ብኣቶ ኣማኑኤል ክብሮም ብዝተመርሐ መደብ ዝክረ-ሰማእታት ኢዩ ጀሚሩ። ኣቶ ኣማኑኤል ክብሮም ሓጺር ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ድሕሪ ምትሕልላፉ ትሕዝቶን መደባትን መስራቲ ጉባኤ ንተጋባእቲ ኣላልዩ። ብድሕሪኡ ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ግዚያዊት ኮሚተ ምንቅስቓስ ኣብ ዝሓለፈቶም መድረኻት፡ ምንቅስቓስ ኣብ ዘመዝገቦም ዓወታትን ኣብ ዝነበሩ ድኽመታትን ዝተሞርኮሰ ቃል ምንቅስቓስ ብኣቶ ዳንኤል ረዘነ ቀሪቡ። ኣብ’ቲ ዝቐረበ ቃል፡ ብኣቶ ዳንኤል ካብ ዝጠቕሱ ገለ ኣገደስቲ ዓወታት ምንቅሰቓስ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ መንፈቕ ብቑጽሪ ኣባላት ይኹን ብኣወዳድባ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ክበጽሕ ምኽኣሉ ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓወታት ዝጥቀስ ምዃኑ ተገሊጹ። ምንቅስቓስ ምስ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብዓቕሚ ሰብን ዲፕሎማሲ-ሸፈጥን ዝዓንተሩ መለኽትን ጨካናትን ስርዓታት ገጢሙ፡ እሞ ድማ ምስ’ቲ ኩሉ ፈታኒ ጸገማት ናይ ስደት እንዳተጠማጠመ መደባቱ ኣዋሃሂዱ ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ ክብጽሕ ምኽኣሉ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ብልጫታት ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ’ቲ ንድኽመታት ምንቅስቓስ ዝርኢ መብርሂ ድማ፡ ምንቅስቓስ ከም’ቲ ዝድለን በቲ ክኾኖ ዝግበኦ መልክዕን ንኸይሕይል ካብ ዝዓንቀጽዎ ቀንዲ ሕጽረታት ትካላዊ ኣሰራርሓ ካብ ዘይጸንሖ ባይታ ዝተበገሰ ትልሚ ብምዃኑ እዚ ድማ ሓደ ዓቢ ሃጓፍ ከም ዝነበረ ተገሊጹ። ጠንቂ ናይ’ዚ ድማ ጉድለት ተሞክሮ መሪሕነት ናይ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ምንቅስቓስ ከም ዝኾነ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን እቲ ምንቅስቓስ ክሳብ ሕጂ ዘይተናገፈሉ ዓቢ ማሕለኻ ሕጽረት ባጀት ከም ዝኾነ ተገሊጹ። እዚ መሰረታዊ ማሕንቖ እዚ ክሳብ ዘይተፈትሐ ድማ ምንቅስቓስ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ኣዋርሕ ክህልዎ ዝኽእል መደባት ስራሕ ኣዝዩ ድሩት ክኸውን ከም ዝኾነ ተሓቢሩ። ስዒቡ ብኣቶ ሓይለኣብ ኪዳነ ናይ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ስራሕን ፋይናንስን ምንቅስቓስ ብሓፈሻዊ መልክዕ ናብ ጉባኤኛታት ቀሪቡ። ምንቅስቓስ ኣበየኖት መደባት ብንጥፈት ይዋሳእ ከም ዝነበረ፡ ካብ ዝሓንጸጾም መደባት ኣየኖት ተዓዊቶም፡ ኣየኖት ከ ኣይተዓወቱን ስለምንታይን ኣብ ዝብሉ ነብጥታት ተሞርኪሱ ኣቶ ሓይላኣብ መብረሂ ሂቡ። ኣብ’ቲ ንፋይናንስያዊ ጉዳያት ምንቅስቓስ ብዝምልከት ዝቐረበ ጸብጻብ ድማ ምንቅስቓስ ክሳብ ሕጂ ክንደይ ዝኣክል ገንዘባዊ ሓገዝ ካበየኖት ምንጭታት ከም ዝረኸበ ተገሊጹ። እቲ ዝተረኽበ ሓገዛት’ከ ኣብ ከመይ ዝበለ መዓላታት ውዒሉን ሕጂ’ከ ብፋይናንስያዊ መንጽር ምንቅስቓስ ኣብ ከመይ ዓይነት ደረጃ ይርከብ ኣሎ ድሕሪ ምግላጹ፡ እቲ ብክኢላታት ሕሳብ ዝጻፈፍ ዘሎ ወግዓዊ ፋይናንስያዊ ጸብጻብ ኣብ’ዚ ዝስዕብ ናይ ሓደ ወርሒ ግዜ ተሰላሲሉ ንኸሉለን ጨናፍር ብቕዳሕ ክላኣኽ ምዃኑ ተገሊጹ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ስራሕን ፋይናንስን ካልኦት ሓፈሻዊ ጉዳያትን ካብ ጉባኤኛታት ሕቶታትን ርእይቶታትን ቀሪቡ። ብኣባላት ግዚያዊት ኮሚተ ድማ መብርሂ ተዋሂብዎ። ኣብ’ቲ ዝቐጸለ መደብ ድማ ብኣቶ ሳሙኤል ቢዘን ብዛዕባ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ቅዋም ምንቅስቓስ፡ ከምኡ ‘ውን ስምን መለለዪ ኣርማን መብርሂ ተዋሂቡ። ብመሰረት እቲ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብኣባላት ዝቐረበ ርእይቶታት ኣብ’ቲ መበቆላዊ ቅዋም ምንቅስቓስ ዝተገብረ ምምሕያሽን ናይ መውዳእታ መልክዕ ቅዋምን ድማ ተገሊጹ። ገለ ካብ’ቲ ዝተገበረ ለውጥታት ኣብ’ቲ መበቆላዊ ቅዋም ዘይነበረ ሓደ ሓድሽ ኣካል ማለት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ዝተበሃለ ኣገዳሲ ኣካል ክህሉ ከም ዝተገብረ፡ ኣብ’ቲ ተመሓይሹ ክጸድቕ ዝቐረበ ቅዋም ካብ ዝተኣታተዉ ምምሕያሻት ሓደ ምዃኑ ኣቶ ሳሙኤል ገሊጹ። እዚ ኣካል’ዚ ብዓንቀጻት 7.1ን 9ን ናይ’ቲ ዝተመሓየሸ ቅዋም መሰረት ዝተኣታተወ ሓድሽ ኣካል ኢዩ።ብድሕሪኡ ገለ ካብ’ቲ ብጉባኤ ክውሰን ተባሂሉ ዝቐረበ ኣገድስቲ ነጥብታት ማለት ስምን ኣርማን ምንቅስቓስ ከምኡ ‘ውን መጠን ወርሓዊ ክፍሊት ኣባልነት ብድምጺ ብልጫ ክውሰን ናብ ጉባኤኛታት ወሪዱ። ካብ’ቲ ንስም ብዝምልከት ዝወረደ ዝተፈላለየ ኣማራጺታት ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) ዝብል ዝበዝሐ ድምጺ ስለ ዝረኸበ ወግዓዊ ስም ምንቅስቓስ እዚ ዝጠቕሰ ስም ክኸውን ተወሲኑ። ቅድሚ ሕጂ ምንቅስቓስ ብወግዒ ዝተመዝገበሉ ስም ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን - ደቡብ ኣፍሪቃ (ኤ.ምዲ.ሰ.መ. - ደ.ኣ.) ዝብል ኮይኑ፡ በዚ ሕጂ ጉባኤ ዘጽድቖ ስም መሰረት ግን እቲ ኣብ መወዳእታ ዝነበረ “ደቡብ ኣፍሪቃ (ደ.ኣ)” ዝብል ቅጽል ከም ዝተርፍ ኮይኑ ኣሎ። ገለ ካብ’ቲ ቀሪቡ ዝነበረ ካልእ ኣማራጺ ኣስማት ግን ከኣ እኹል ደምጺ ናይ ተጋባእቲ ዘይኸረበ እዚ ዝስዕብ ይርከቦ፦ ኤርትራዊ ሲቪካዊ ምንቅስቓስ፡ ኤርትራዊ ሲቪካዊ ማሕበር ንሰብኣዊ መሰላት፡ ኤርትራዊ ሲቪካዊ ምንቅስቓስ - ደቡብ ኣፍረቃ፡ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሳላትን ዝብል ይርከቦ። ንመለለዪ ኣርማ ብዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ድማ ካብተን ዝቐረባ ሰለስተ ኣማራጺታት እታ ብታሪኻዊት ቆጽሊ ኣውሊዕ ኣብ እተኸበበ ድሕረ-ባይታ ዝራአዩ ክልተ ሰባት (ጓልን ወድን) በቲ ሓደ ኢዶም ተተሓሒዞም እንከለዉ፡ በቲ ሓደ ኢዶም ድማ ሽግ ዓቲሮም እንከለዉ እተርኢ ኣርማ ንዕላማታትን ስምን ምንቅስቓስ ብግቡእ ተንጸባርቕ ኢያ ተባሂሉ ስለ ዝተኣምነላ ብዓብላሊ ድምጺ ከም መለለይት ኣርማ ምንቅስቓስ ጸዲቓ። ብድሕሪ’ዚ በቲ ዝቐረበ ዓብላሊ ድምጽታት መሰረት ምሉእ ትሕዝቶ ናይ ቅዋም ምንቅስቓስ ምስ ስምን መለለዪ ኣርማን ብወግዒ ከም ዝጸደቐ፡ መራሒ መደብ መስራቲ ጉባኤ ኣቶ ኣማኑኤል ክብሮም፡ ንጉባኤኛታት ብዝበሰረ ኣደራሽ ጉባኤ ብነጎዳ ጣቕዒት ተናዊጹ። ስዒቡ ንውሳነ ዝቐረበ ነጥቢ ጉዳይ ወርሓዊ ክፍሊት ኣባልነት ኮይኑ፡ ዓቕሚ ዝበዝሑ ኣባላት ምንቅስቓስን ኩነታት መነባብሮ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ግምት ዘእተወ ብዝበዝሑ ተጋባእቲ ድማ ደገፍ ዝኸረበ መጠን ብጉባኤ ጸዲቑ። ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝቐጸለ ርክብ ምርጫ ኣባላት ኮሚተ ምሕደራን፡ ኮሚተ ኦዲትን ተወሰኽቲ ኣባላት ሓፈሻዊ ቤት ምኽርን ተኻይዱ። ቅድሚ ምርጫ ምክያዱ፡ ብኣቶ ዓንዶም መስፍን ብዛዕባ ኣገባብ ምርጫ ንተጋባእቲ መብርሂ ተዋሂቡ። ብዘሎ ኣቃውማ ጨናፍርን ኣወዳድባ ኣባላትን መሰረት እቲ ዝሓሸን ዘስርሕን ኣገባብ ምርጫ ድማ ንተጋባእቲ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መሰረት ተገሊጹ። በቲ ተመሓይሹ ዝቐረበ እሞ ድማ ብጉባኤ ዝጸደቐ ቅዋም መሰረት ውድባዊ ቅርጺ ምንቅስቓስ ኣብ ኣርባዕተ ዝተኸፋፈለ ኢዩ። ንሳቶም ድማ ሓፈሻዊ ጉባኤ፡ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ፡ ኮሚተ ምሕደራን ኮሚተ ኦዲትን ዘጠቓለለ ኢዩ። ኮሚተ ኦዲት ንፋይናንስያዊ ጉዳያት እትከታተል ካብ ዝኾነ ኣካላት ምንቅስቓስ ድማ ነጻ ዝኾነት ኣካል ኢያ። ኮሚተ ምሕደራ፡ ንመዓልታዊ ንጥፈታት ምንቅስቓስ እተካይድ ፈጻሚት ኣካል ናይ ምንቅስቓስ ኢያ። ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ድማ ብወከልቲ ኩለን ጨናፍርን ከከም ኣድላይነቱ ብሓፈሻዊ ጉባኤ ብዝምረጹ ተወሰኽቲ ኣባላት ዝቖመ ዝለዓለ ኣካል ናይ ምንቅስቓስ ኮይኑ ንዕማማት ኮሚተ ምሕደራ ዝቆጻጸር ኣብ ሞንጎ እቲ ብኹሎም ኣባላት ዝቖመ ሓፈሻዊ ጉባኤን ኮሚተ ምሕደራን (ፈጻሚ አካል) ከም መራኸቢ ድልድል ኮይኑ ዘገልግል ኣካል ናይ ምንቅስቓስ ኢዩ። ሓፈሻዊ ጉባኤ ድማ እቲ ብኹሎም ኣባላት ዝቐውም ኣካል ናይ ምንቅስቓስ ኢዩ። ቀንዲ ካብ ዕማማቱ ድማ ብቐጥታ ወይ ብወከልቱ ኣካላት ምንቅስቓስ ምምራጽን ኣብ ኣገደስቲ ጉዳያት ድማ ብድምጺ ብልጫ ውሳነታት ምሕላፍን ኢዩ። በዚ ሕጂ ዘሎ ኣወዳድባ፡ ኣቃውማን ዓቐምን አባላትን ምንቅስቓስን መሰረት ኩሉ ኣባል ብሰንኪ ፋይናንሲያዊ ሕጽረት ኣብ መስራቲ ጉባኤ ክርከብ ግብራዊ ኮይኑ ስለ ዘይተረኽበ፡ ኣብ’ዚ መስራቲ ጉባኤ ዝተኻየደ ምርጫ ብፍላይ እቲ ንምርጫ ኣባላት ኮሚተ ምሕደራ ዝምልከት ብቐጥታ ብኹሎም ኣባላት ዘይኮነስ በቶም ንኹለን ጨናፍርን ኣባላተንን ወኪሎም ዝመጹ ኣባላት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ኢዩ ተኻይዱ። ንኹለን ጨናፍር ወኪሎም ዝመጹ ኣባላት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ብቑጽሪ 19 ክኾኑ እንከለዉ፡ ንሳቶም ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፦ ናይ ጨንፈር ኩዋ ዙሉ ናታል (KwaZulu-Natal Chapter)) 1. ኣቶ ኣማኑኤል ክብሮም 2. አቶ ቢንያም ተስፋማርያም 3. ኣቶ ቢንያም የማነ ናይ ጨንፈር ፍሪ ሰተይት (Free State Chapter) 4. ኣቶ ኣብራሃም ረዘነ ተስፋይ 5. ኣቶ ዳንኤል ረዘነ መኮነን ናይ ጨንፈር ዌስተርን ኬፕ (Western Cape Chapter) 6. ኣቶ ብሩኽ ተኽለ 7. ኣቶ ሄኖክ ሓድጉ 8. ኣቶ ያሬድ ተካ ናይ ጨንፈር ፕሪቶርያ (Pretoria Chapter) 9. ኣቶ ኢሰያስ ሃይለ 10.ኣቶ ፍስሃየ ገብረእግዚኣብሄር 11.ኣቶ ዮሃንስ ጸጋይ ናይ ጨንፈር ጆሃንሰበርግ (Johannesburg Chapter) 12. ኣቶ ኩሉብርሃን ኣብራሃም 13.ኣቶ ገብረልኡል ሓየሎም 14.ኣቶ ዓብደልዋስዕ መሓመድ ሓድሽ 15.ኣቶ ተስፋኣለም ተኽለኣብ ናይ ጨንፈር ፒተርስበርግ (Petersburg Chapter) 16.ኣቶ ስዒድ ዓብደልከሪም 17.ኣቶ ኢብራሂም ኣሕመድ 18.ኣቶ ኤፍሬም ተስፋማርያም ናይ ጨንፈር ጀርምስተን (Germiston Chapter) 19.ኣቶ ኢሰያስ ገብረብርሃን ክኾኑ እንከለዉ፡ ብጉባኤ ዝተመርጹ ተወሰኽቲ ኣባላት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ድማ፡ 1. ኣቶ ኢሰያስ ኣርኣያ 2. ኣቶ ብርሃኑ መሓመድ ስዒድ 3. ኣቶ ሙሴ በየነ 4. ኣቶ ቴድሮስ ገዛኢ ኢዮም። ብኣጠቓላሊ 23 ዝኣባላቱ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምስ ቆመ፡ ጉባኤ ሰለስተ ዝኣባላታ ኮሚተ ኦዲት መሪጹ። ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ብወገኑ ድማ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ኮሚተ ምሕደራ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። ኣባላት ኮሚተ ኦዲት ኮይኖም ዝተመርጹ፦ 1. ኣቶ ኪዳነማርያም ሃብተማርያም 2. ኣቶ ዮሴፍ ተኽለማርያም 3. ኣቶ ምሕረትኣብ ገብሪሂወት ኢዮም። ኣባላት ኮሚተ ምሕደራ ኮይኖም ዝተመርጹ ድማ፡ 1. ኣቶ ሳሙኤል ቢዘን - ኣቦ-መንበር 2. ኣቶ ዓንዶም መስፍን - ሓላፊ ፋይናንስን ምምሕዳርን 3. ኣቶ ሓይላኣብ ኪዳነ - ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት 4. ኣቶ ዩኤል ኣለም - ሓላፊ ሕጋዊ ጉዳያት 5. ኣቶ ፋኑኤል መስፍን - ሓላፊ ምርምርን ስነዳን ኮይኖም ተመሪጾም።
ብድሕሪ’ዚ ኣባላት ኮሚተ ምሕደራ: ንኤምዲሰመ እሙናት ክዀኑ፡ ንቅዋም ምንቅስቓስ ምእዙዛት ክኾኑን ከኽብርዎን፡ ከም ኣባላት ኮሚተ ምሕደራ መጠን ንዝተወሃቦም መዝነት ብክብሪ ብምቕባል፡ ሓቀኛታትን ቅኑዓትን ኣገልገልቲ ምንቅስቓስ ክኾኑ፡ ንዝፈልጥዎ ምስጢራት ድማ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ከየውጽኡ፡ ስርሖምን ተጊሆም ክዓዩ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ቃለ-ማሕላ ድሕሪ ፈጺሞም። ኣብ መወዳእታ ምንቅስቓስን ኣባላቱን ሰላማዊት፡ ብልጽግትን መሰል ዜጋታታ ድማ እተኽብር ኤርትራ ንምህናጽ ዝኣተውዎ መብጸዓ ብምሕዳስ መስራቲ ጉባኤ ኤምዲሰመ ብዓወት ተዛዚሙ። |
|
||||||||
መስራቲ ጉባኤ
Comments
No comments found.
|
Search
Month Archive
Recent Photos
|
|||||||