View Article  PFDJ's deception in the name of discussion

MqEF [k ]F¸} B´©Ï mk²éFlmk so

 

mk—Dq 4 ´}nq: gõmk \§q '`—kï¥ ¬q ‡X´' mk 23 ¢Šoñq  KÃöGíq ...   more »

View Article  Amnesty report 2005
Amnesty has released its annual report detailing human rights abuses around the world.   more »
View Article  Poem By Daniel Rezene (Tigringa )

ጉንበት ተለመኒየ

 

ድሕሪ ‘91፡ ካልእ ቃልሲ

ድሕሪ ልደት-ሃገር፡ ብርቱዕ ሕርሲ

ዝርጋን: ሰኣን ኣላዝቦ

መን ምስ ሓሰቦ?

ግንባር ብግንባሩስ

መሪሩ እቲ ዕድል

ሸታሕትሖ፡ ቁልቁል

መዓሙቕ ዝንህል።

ኣቲ ጉንበት …

 

ሽያኽ ማይ

ፈልፋሊት ሂወት

ክንዲ ትኾኒ

ኣብ ጸጽባሕ መሬት

ኣጉባዝ ትምንጥሊ?

እስከ ተሓተቲ፡ ጉንበት …

ኣብ ዳስኪ ናይ ዘይ ወዓለ

ኣብ መርዓኺ ናይ ዝቦኸረ

ትፈልጥዮ’ዶ ‘ቲ ቁጽሪ፤

ኣሃዘ-መጠን ሓብሪ?

ብድራር ተስፋ ዝተዓንገለ

ብሎሚ ጽባሕ ዝተታለለ

ግማዕ ኣካልኪ፡ ናበይ ኣበለ፤

ብገዛእ ገዝኡ፡ ናበይ ሓከለ?

ስምዒ’ሞ ጉንበት …

እቲ፡ ሙቐት ጸሓይ ዘድከመ ድምቀት

እቲ፡ ጸዳል ወርሒ ዘንዓቐ ክብረት

ኣጉዲልክሉ፡ ንቡር መሰል-ኣዳም

ንመንበረ-ስልጣን፡ ኣቐዲምኪ ዳም-ዳም።

ሻቡ ምስ ተቐንጠጠ፡ ክብርኺ፡ ደጓሒ

ሻቡ ምሰ ተጨወኺ፡ ብዕሉል ረጋሒ

ዓሰርታት ኮይኑ፡ ተታሒዝኪ ጅሆ

ሑቕፎኺ ዘበርግግ፡ ተተዃቢት ደርሆ።

ኣስተውዒልኪ’ዶ ጉንበት …

ዘኻትም ደቅኺ፡ ዘይብሎም ኣባዲ

ኣርዑት ምስ ከበደ፡ ሰጊሮም ናብ ባዕዲ

ከም ንጽፍቲ ሓምራ፡ እተደፍነ ጡባ

ዕቡስ መናፊትኪ፡ ኣይተሓልበን ጸባ።

ንህላዌኺ፡ ወፈያ-ሂወት ዘይበቐቐ

ብዛራ ደሙ፡ ጸሓይ በይንኺ ዘብረቐ

ንኸይሓልፈሉ፡ ዕድል ትኾልፊ

ንዝና ሓደ፡ ትወጺ ሰልፊ።

ንሓደ ኣደ፡ ንኻልእ ጓና

ሓደ ኣብ ማዕዶ፡ ሓደ ኣብ ገደና

ሓደ ኣብ መኣዲ፡ ሓደ ኣብ ጭንን

ሓደ “ክዕብዓብ”፡ ሓደ ይደንን።

ኣብ ናይ ቋሕ-ሰም ህሞት

ዳግም ብሂግኪ ዝቋቕ ሓሞት

ዘይጽቡቕ ከጸብቕ፡ ጽቡቕ ንዘጥፍአ

ግራጭ ኣብዚሕክሉ፡ ተናኻኢ መስአ።

ብጎቦ ልቢ፡ ዘይቅሱን ሂወት

ብኸርፋሕ ናብራ፡ ክርቱት ከልበትበት

“ጽንዓት ኢዮብ” ከተጉድሚ

ብዕርበት ሕልና፡ ኣልሚስኪ ዓቕሚ።

ኣየ ጉንበት …

ሕሱም ገሪፍክዮ፡ ብስላዕ ሕጻውጽ፡

ድቦላ ኣንጢብክሉ፡ ኣእምሮ ዘናውጽ።

ኮንክዮ ዘይትሕየኺ ሕብስቲ

ሰላሙ ዘህድሙ፡ ዓዲምኪ ‘ጋንንቲ

መዓጉርቲ ብዝብሕጉግ፡ ንብዓተ-ዛራ

ጓሂ ቀሊብክዮ፡ ጀኒንኪ መከራ።

እምበር ንሱስ …

መሕልም ኣየጎምጀዮ፡ ዘይርከብ ጦብያ

ማና ኣይተጸበየ፡ ወርቂ ብዓረብያ

ድቃስ ጎድኒ’ዩ ብሂጉ፡ መልሕቐ-ልዋም

ብሰላም ወፊሩ፡ ብሰላም ክኣትዋ ንሰላም።

ጉንበት፡ ንስኺ ግን …

ነውሪ ክንዲ ክብረት

ከብዲ ክንዲ እምነት፤

ንግርምቢጥ ከተንብሪ

ንንቡር ተብርሪ።

ብዜማ፡ ብግጥሚ

ዝሰረጸ ኣብ ዓጽሚ

ፈሲሱልኪ ናእዳ

ንዘይብሉ ፋይዳ።

ሞንጎ መዲድን መጥሓንን

ቅርቃር ዓንድን ምድርን

ኮንካ ዝንበሮ

ኣይጽብጸብ መንብሮ።

ንስኺ ደኣ …

ዘይተጋህደ ሕልሚ

ዘይትሕለብ ላሕሚ

ውላድ ንረጋሚ

ስንቂ ዘይከራሚ።

እፉፍ ዓንዲ-ሕጊ

ሕሱር ነብሰ-ቕረባ

ተለዋዪ ዘንጊ

ኣንቆልቋሊ ቁጠባ።

ኢኺ’ኮ ኮንክዮ … !

ብጢጥ-ቅሚጥ ጉዳይ፡ ምኽኒተ-ዕባራ

ዓሰርተ ወሲድኪ፡ ዘይትንሕፊ ዕስራ

ከርሰ-ነገርኪ ንዘስተማቐረ

ዓንዴልነቱ፡ ዝዓርዐረ ዕረ።

ንክትልምልሚ፡ ንኽትጥጥዒ

ንፈልስኺ፡ ዝኾነሉ ድኹዒ

ገጽኪ ተጸዊጉ፡ ከሊእዎ ርትዒ

ብዘይ ኣበስኡ፡ ሓያል ትጣርዒ።

እምበኣር ከስ ጉንበት …

ብጥፍሽና ብ “ንግዲ ኣምሩ”

ተደፊኑ ኣእዛን፡ ኣዒንቲ ዔሩ።

መሬት እምበር፡ ሰብ ኣይወጸን ሓራ

መግዛእቲ እምበር፡ ምልክስ ኣሎ ጌና

ሃየ ተለመኒ፡ ለብዘበን ስምዕና

ይእከልኩም በልና፡ ደኺሙ ሕልና።

ሎሚ’ኸ ጉንበት …

ኣብ ደንደስ ጸድፊ

ብሓላቕ ፈትሊ

ካብ ትንጥልጠሊ፤

እንታይ ኮን ትብሊ?

ንፍጡን ለውጢ፡ ብፍጡን ምረሻ

ዛዝምዮ ጉንበት፡ ኣይትኹኒ ዓሻ።

ዳንኤል ረዘነ

20 ጉንበት 2005

View Article  URGENT ACTION Eritrea: Further information on: Prisoner of conscience/Torture or ill-treatment/Detention without charge
Up to 900 members of these banned churches, worshipping clandestinely, are also detained. Among them are nearly 150 women, including a well-known evangelical singer, Helen Berhane.   more »
View Article  EMDHR docs

Peace be with you dear visitor

attached are some of the frequenty requested documents of EMDHR.. Please do feel free to use them.

EMDHR Founding congress report [English]

EMDHR Founding Congress report [Tigringa]

EMDHR constitution [English]

EMDHR constitution [Tigringa]

EMDHR pamphlet 01 [English]

EMDHR pamphlet 01 [Tigringa]

EMDHR registration form

Refugee law [Tigringa]

 

Thank you

8 Attachments