መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ተቓውሞ ሶዌቶ (Soweto Uprising) ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃውያን ከም ሓደ ዓቢ ነጥበ መቐይሮን፡ ቓልሶም ከም ባርዕ ብምንቷግ ኣሃዱ ኢሎም ዝፈለሙላ ዓባይ ታሪኻዊት ዕለት እያ። ኣብ መፈለምታ ናይ’ዚ ኣብያታት፡ ተመሃሮ ኣብ ወሰናስን ከተማ ጆሃንስበርግ ብምውጻእ ንደረጃ ስርዓተ ትምህርቲ ብዝምልከት ተቓውሞኦም ዘስምዑሉ ግዜ እዩ ኔሩ።
እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያታት፡ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ስርዓት ኣፓርታይድ ደቡብ ኣፍሪቃ ኩሎም ተመሃሮ ኣብ ስርዓተ ትምህርቶም ኣዝዮም ውሑዳት ተዛረብቲ ዘለውዎን ብውሑዳት መማህራን ዝዝረብ ቋንቋ ኣፍሪካንስ ንኽምሃሩ ሓድሽ ሕጊ ጸቕጢ ስለዝገበረ እዩ። እዚ ዝኾነሉ እቲ ቛንቋ ናይቲ ዓሌታዊን ፈላላይ ስርዓተ መንግስቲ መሳርሒ ቋንቋ ብምዃኑ እዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣብያ ተደሪኾም ቃልሶም ናብ ዝልዓለ ጥርዙ ብምጉህሃር ኣንጻር ዓብላልነትን መግዛእቲ ጸዓዱ ኣበርቲዖም ቀጸልዎ። ኣመጻጽአን ኣማዓባብላን ስርዓት ኣፓርታይድ ብሕጽር ዝበለ ከምዘስዕብ ክጥቀስ ይከኣል።
እንግሊዛውያን ኣብ ከባቢ ኪምበርሊን (Kimberley) ጆሃንስበርግን (Johannesburg) ዝርከብ ብወርቅን ኣልማዝን ኣዝዩ ሃብታም ዝኾነ ናይ ዕደና ቦታ ንኽውንኑ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ሰራዊት ብምውፋር ምስ ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ተዛረብቲ ቋንቋ ኣፍሪካንስ (Africans) ዝኾኑ ናይ ቦርስ (Boers) ዓሌት ንኸጥቅዑ ከም ቀንዲ ዕላማ ተተሓሓዝዎ። ኣብዚ ንሰለስተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኩናት እንግሊዛውያን ኣብ ልዕሊ ቦርስ ሰፍ ዘይብል ክሳራታት ብምውራድ ተዓወቱ። እንተኾነ ግን ኣብ ዝቀጸለ ዝርርብ ሰላም ካብ እንግሊዛውያን ገለ ውሕስነት ከውጽኡ ክኢሎም እዮም። እቶም ቀንዲ ክሰማምዑሉ ዝኽኣሉ ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ እዮም። እቲ ቀዳማይ፡ ምንጻግ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ህዝባዊ ሕርያ ዝብል እዩ። ኣብቲ ግዜ ዝተመስረተ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ (ANC) ዕቱብ ዝኾነ ተቃውሞታት የስምዕ ከአ ነበረ። ስዒቡ ማለት ድሕሪ ምጭባጥ ናጽነት ኣብ 1910፡ ዋንነት መሬትን ዝልዓሉ ጽፍሕታት ስራሕ ንጽዓዱ ጥራሕ ዝዕቕብ ሕጋጋት ወጸ። ከም ሳዕቤኑ፡ ዝበዝሑ ኣፍሪካነርስ (Boers) ብድኽነት ክቋራቆሱ እንከለዉ፡ በንጻሩ ጸዓዱ ተዛረብቲ እንግሊዝ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድማ ወነንቲ ትካላት ዕደናን ኢንዱስትሪ ብምዃን ሃብትታት ደሊቦም። ናይ’ዚ ኩሉ ሕሰም ድምርማር፡ ኣፍሪካነርስ ንዝያዳ ዓሌታዊ ሕጋጋት ብምጽቃጥ ክሰርሑሉ ጀሚሮም።
ኣብ 1948፡ ኣብ ታሪኽ ደቡብ ኣፍረቃ ሓድሽ ነጥበ መቀይሮ ዝመጻሉ እዋን እዩ። ብኣፍሪካነር ዝምራሕ መንግስቲ ዝተመርጸሉ፡ ሓድሽ ፖሊሲ ኣፓርታይድ ዝተበገሰሉ አዋን እዩ ነይሩ። ብቅጽበት፡ መንግስቲ መርዓ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዝኽልክል ኣዋጅ ኣውጺኡ። ከም መቀጸልታ ሓድሽ ፖሊሲ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሕክምናን መዘናግዒ ቦታታት ኣብ ዓሌት ዝተመርኮሰ ሓደ ሓድሽ ስጉምቲ ኣጽዲቑ። እዚ ድማ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ብዘይ ሓደ ናይ ይሕለፍ ወረቀት ኣብ ከተማታት ንኽነብሩን ክንቀሳቐሱን ዝእግድ ሕጊ እዩ።
ነዚ ፈላላይን ዓሌታዊ ስጉምቲ ብምቅዋም፡ ኣብ 1960 ካብ ጆሃንስበርግ ኣስታት 50 ኪሎሜትር ርሒቃ ኣብ እትርከብ ሻርፕቭል (Sharville) እትብሃል ከተማ ኣብ መንጎ ፖሊስን ኣድማ ዘካይዱ ጸለምቲ ግጭት ተኻይዱ። ኣብዚ ግዜ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶን (ANC) ካልኦት ውድባት ተኣጊዶም። ኩሉ ተቃውሞታት ፈኸም እናበለ ብምኻድ፡ ኣብ 1976 አብ ሶዌቶ ዓቢ ናይ ጸለምቲ ተቃውሞ ተባርዐ።
16 ሰነ 1976 ኣብ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዓቢ ዝና ዘለዋን መፈለምታ ናይቲ ኣብ ዓወት ዝበጽሑሉ ቃልሲ ኣንጻር ኣፓርታይድ እዩ። ኣብዛ ታሪኻዊት ዕለት፡ ተመሃሮ መንግስቲ ብኣፍሪካንስ ንኽምሃሩ ብሓይሊ ዘገድድ ሕጊ፡ ተቃውሞታቶም ንኸስምዑ ዝወጹላ መዓልቲ እያ። ኩሎም ተመሃሮ ብጊሓቱ ብምትእኽኻብ መዛሙር ናጽነት እናዘመሩን ጭርሖታት እናስምዑ ንጎደናታት ሶዌቶ መልእዎ። ገለ ካብ’ቲ ዘስምዕዎ ዝነበሩ ጭርሖታት “ውድቀት ንኣፍሪካንስ” “ጸለምቲ ዘይንረብሕ ዓሌት ኣይኮናን” ዝብሉ ነበሩ። ኣስታት 50 ዝኾኑ ዕጡቃት ፖሊስ ምስ ኣድመኛታት ኣብ ዝገበርዎ ግጭት ፖሊስ ዘንብዕ ጋዛትን ጠያይትን ክጥቀሙ እንከለዉ ግብረ መልሲ ኣድመኛታት ተመሃሮ ድማ ዳርባ እምኒ ነበረ።
ኣብዚ ግጭት እዚ ካብ ፖሊስ ብዝተተኮሰ ጠያይት ክልተ ካብ ተማሃሮ ከምዝሞቱ ኣብቲ ግዜ ጸብጻብ ዘቕርብ ዝነበረ ናይ ራንድ ደይሊ ሜይል (Rand Daily Mail) ሪፖርተር ናት ሴራች ገሊጹ። እቲ ኩነታት ናብ ዝልዓለ ጥርዙ ብምኻድ ካብ ናይ ተመሃሮ ምንቅስቃስ ናብ ሓፈሻዊ ምንቅስቃስ ከኣ ተቐየረ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ጠቕላሊ ሚኒስተር ጆን ቮስተር መንግስቲ ብኸምዚ ተግባራት ከምዘይድሃልን እኳ ድኣ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ብምውሳድ ደው ከብሎ ምዃኑ ንህዝቢ ብቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገለጸ። እቲ ግጭትን ተቃውሞታት ንኣስታት ሰለስተ መዓልታት ካብ ሓደ ዞባ ናብ ካልእ ዞባ ክቅጽል ድሕሪ ምጽናሕ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ኣእተውዎ። መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣስታት 95 ጸለምቲ ክሞቱ እንከለዉ ዘይተረጋገጹ ምንጭታት ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ግን ናብ ኣስታት 500 ተገሚቱ። በዓልቲ ቤት ኔልሰን ማንዴላ፡ ዊኒ ማንዴላ “እዚ ቃልሲ መፈለምታ ናይ’ቶም ኣንጻር ዓሌታዊ መንግስቲ ዝካየድ እዩ” ክትብል ገለጸት።
ኣብቲ እዋን ካብ ዝተሳተፉ ገለ ፍሉይ ተዘክሮታት ብዝምልከት ኣብ ናይ ዕለት 10 ሰነ፣ 2006 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ (www.bbc.com) ሃሚልተን ወንደ ብኸምዚ ዝስዕብ ዝኽርታቱ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብቲ ግዜ ኣብ ናይ ጸዓዱ ቤት ትምህርቲ ዝምሃር ዝነበረ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ እዩ። ሃሚልተን፡ ኣብያ ሶዌቶ ከም “ሓደ ዓቢ ጉዕዞ ናብ ዲሞክራሲ” ብምባል እዩ ዝገልጾ። ኣብቲ ግዜ ወዲ 14 ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብ ግርሃምስታውን (Grahamstown) ዝተባህለት ካብ ሶዌቶ ኣስታት 1600 ኪሎሜትር ርሒቃ እትርከብ ከተማ ኣብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ይቕመጥ ነበረ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ኩሉ መንእሰይ በቲ ዝንዛሕ ዝነበረ ወረታት ናይ ተጻብኦታትን ምልዕዓል ናዕብታት ኣብ ራዕድን ፍርሕን ተዋሒጡ ነበረ። ምኽንያት ናይ’ዚ መንግስቲ ብዝኽተሎ ዝነበረ ፈላላይ ፖሊሲታት፡ ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ቃልሶም ብምሕያል ኣንጻር ኣፓርታይድ ምልዕዓል ይገብሩ ስለዝነበረ እዩ። እንታይ የጋጥም ወላ ሓደ ኣይፍለጥን ነይሩ። እዚ ተርእዮ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ምልዕዓል ኣስዒቡ። ሓደ ካብቶም ጸለምቲ “ግዝያቱ ጸዓዱ ንቐትለሉ እዩ።” ብምባል ተዛረበ። ኣይጸንሐን እዚ ዘረባ ናብ ኣብያተ ትምህርትን ሜዳታት ራግብን ልሒሙ። ከም መርኣያ ናይ’ዚ ወረ ድማ ኣብ መንጎ ጸዓዱን ጸለምትን ናይ ጽልኢ ማዕበላት ከስፋሕፍሕ ጀመረ። ገለ ጻዓዱ ነብሶም ክመጾም ካብ ዝኽእል ናይ ጸለምቲ መጥቃዕታት ንምክልኻል ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ገበሩ። ስፍሓት ኣእምሮ ዘለዎም ግና ቤላቤሎው ክብሉ ገለጹዎ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ዝንዛሕ ዝነበረ ወረ ኣዝዩ ዘስደምም ከምዝነበረ ሃሚሊተን የዘንትው። ኣዝዩ ዝተጋነነ እንተኾነ’ኳ ኣብቲ ግጭት ግን ሓያለ ሰባት ሞይቶም። መንግስቲ ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ ምዉታት 23 ክብጽሕ እንከሎ ኣብ ጎደናታት ሶዌቶ ዝተዓዘቡ ግና ይዛይድ ብምባል ርእይቶኦም ገሊጾም። እቲ ጎነጽ ንዓመት ከምዚ ኢሉ ድሕሪ ምቕጻል ኣስታት 500 ሰባት ሞይቶም።
ኣብቲ እዋን ናዕቢ ኣደይ ብቴሌፎን ምስጸውዓትኒ ኣዝየ ሰንቢደ። ምኽንያቱ ኩነታታ ምስ’ቲ ናዕቢ ስለዘተኣሳሰርኩዎ። ኣደይ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ ሶዌቶ ኣብ ሓደ መናበይ ሕጻናት ትሰርሕ ነበረት። ኣብቲ ብጻዕቂ ተቃውሞ አንጻር አፓርታይድ ክነሳ ብዘይጸገም ስርሓ ተሳልጥ ነይራ። ክሳብ ፖሊስ ነቲ ኩነታት ብሓይሊ ዘህድእዎ ድማ ከምኡ ብዘይጸገም ስርሓ ተሳልጥ ምንባራ ይዝከረኒ። ልክዕ ኣብዝ ሕጂ እዋን ኣደይ እንታይ ትብለኒ ከምዝነበረት ኣይዝከረንን። እንተኾነ ግን ኣፓርታይድ ማዕረ ክንድምንታይ መሪር ከምዝነበረን ናብ ጎንጺ ከምርሕ ከምዝኽኣለን ሕጂ ክርድኦ ክኢለ። ብኻልእ ወገን ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ንጸዓዱ ካብ ዝኾነ መጥቃዕታት ይከላኸሉሎም ከምዝነበሩውን ክርዳእ ክኢለ። ካብዛ ሰዓት ጀሚሮም ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ቃልሶም ኣጕሃሃርዎ። ከም’ቲ ሃሚልተን ኣብ ተዘክሮታቱ ዝገለጾ ተቃውሞ ሶዌቶ “መበገስታ ናይ ኣፓርታይድ ውድቐት” እዩ ኔሩ። ብሓቂ ንዝኾነ መጀመርታ መወዳእታ’ውን ኣለዎ።
ዳዊት ማእከለ
ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.
ደቡብ ኣፍሪቃ