ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝቕመጡ ኤርትራውያን ዝተመስረተ ናጻ ዘይጎነጻዊ ሲቪካዊ ምንቅስቓስ እዩ። እዚ ምንቅስቓስ እዚ ኣብ ታሕሳስ 2003 ዝተወጠነ ኮይኑ፡ ኣብ መስከረም 15 2004 ድማ ብወግዒ ኣብ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ተመዝጊቡ ዕላማታቱን ስራሓቱን ዘነጣጥፍ ዘሎ ምንቅስቓስ እዩ። ኣብ'ቲ  ኣብ ዕለት 26 መጋቢት 2006 ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተኻየደ ካልኣይ ዓመታዊ ጉባኤ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ ንቐንዲ ምኽንያት ምቛም ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.፡ ተልእኹኡን ኣብ መጻኢ ክዓሞም  ወይ'ውን ክበጽሖም ዝደሊ ዕላማታትን ንዝብሉ ዓበይቲ ነጥብታት እቲ ጉባኤ ብዝርዝር  ዘትይሎምን ተኻቲዕሎምን:: ከም ውጽኢቱ: ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ጉባኤ: ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ  ነዚ ዝስዕብ ተልእኾ ሒዙ ክሰርሓሉን ክጉዓዝን ኣጽዲቑ፦


ተልእኾ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.:

ብመገዲ ህዝባዊ ምንቕቓሕ፡ ጥብቅናን፡ ትምህርታዊ ጎስጓሳትን ጌርካ ነቶም ኣብ ኣገደስቲ ኣህጉራዊ ሰነዳት ዝጸደቑ ኣምራት  ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስያዊ መትከላትን ኣብ ዜጋታት ንምስራጽ ኮይኑ፡  ዕላማኡ ከኣ ኣብ ኤርትራ ንመሰረታዊ ናጽነቱን መሰላቱን ብብቕዓት ዝዕቕብን ዝከላኸልን፡ ንቑሕን ሓያልን ሕብረተሰብ ብምህናጽ፡ ኩሉ ዜጋ ከኣ ብሰላም፡ ብኽብርን ብብልጽግናን ንኽነብር ምጽዓር እዩ።


ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ከምዘሎ፡ ተልእኾ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ ንብዙሓት ኣምራት ዘካተተን ኣብ ግምት ዘእተወን እዩ። ካብዚኦም ሓደ፡ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ነቶም ኣብ ኣህጉራዊ ሰነዳት ዝጸደቑ  ኣምራት ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስያዊ መትከላትን ኣብ ኩሎም ኤርትራውያን ዜጋታት ንምስራጽ ዝጽዕት ምንቅስቓስ ምዃኑ እዩ። ቻርተር ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለም-ለኻዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት፡ ቻርተር ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ገለ ካብ'ቶም ኣህጉራውያን ሰነዳት ኢዮም። ስለዚ፡ መብጽዓ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ነቲ ኣብ መንጎ  ህሉው ኩነታት ሰብኣውን   ዲሞክራስያውን  መሰላት ኤርትራውያን ዜጋታትን፡ ብደረጃ ኣህጉራዊ ሕጋዊ ሰነዳት ዝስርሓሎም መዐቀኒታትን ዝርከብ ፍልልይ ወይ ጋግ ንምጽባብ እዩ።

ኣብ ሓደ ሃገር: ውሑስን ቀጻልነት ዘለዎን ፍትሒ፡ ምዕባለን ዲሞክራሲን ዝረጋገጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ምስዝህሉ እዩ። ናይ ቀረባ ኣካዳምያዊ መጽናዕትታት ከምዘረጋገጽዎ ከኣ ባህሪ፡ ኣተሓሳስባን ልምድን ዜጋታት፡ ንዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ናይ ሓንቲ ሃገር ውሑስን ጽኑዕን ካብ ዝገብሩ ኣገደስቲ ዓንድታት እዮም።

ዜጋታት ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስያዊ መትከላትን  ባህልን ኣተሓሳስባን ዝድግፉን ዘንጸባርቑን ንጥፈታት ብምክያድ፡ ኣብታ ሃገር ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክሃንጹ፡ ከሰስንዎን ከቐጽልዎን ይኽእሉ። ከምዚ ምስ ዘየተግብሩ ግን:  ግዳያት ምግሃስ መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላቶም ይኾኑ። ምልክን ዘይፍትሓውነትን ከኣ ብቐሊሉ ኣብታ ሃገር የስፋሕፍሕ። ስለዚ: ኣብ ማሕበራዊ፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ምዕባለታት ሓንቲ ሃገር፡  ዜጋታት እቲ ዝለዓለ ተራ ከምዘለዎም ንምርድኡ ኣየጸግምን።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ስተጠቕሰ ሓቂ ብምብጋስ፡ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣብ ኤርትራ ውሑስን ቀጻልነት ዘለዎን ፍትሒ ምዕባለን ዲሞክራስን ዝረጋገጽ፡  ዜጋታት ንኣምር ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራሲያዊ መትከላትን ብዕምቆት ተረዲኦም ክሰርሕሉ ምስዝኽእሉ ይኸውን ኢሉ ይኣምን። ዜጋታት ንኣምር ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መትከላት ብዝተፈላለዩ ንጥፈታት፡ ባህርያት፡ ልምድታትን ኣተሓሰስባታትን ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ከትግብርዎም ይኽእሉ።  ኣብ ንሓድሕድ ተጻዋርነት፡ ገዛእ ርእስኻ ምግላጽ፡ ውሳነ ናይ ምሕላፍ ልምዲ፡ ስልጣን ናይ ምምቕራሕ ድሌት፡ ንጉዳያት ብኣትኩሮን ዕሙቕ ኢልካን ናይ ምዕዛብ ክእለት፡ ግላዊ ሓላፍነት ናይ ምስካም ልምዲ፡  መሪሕ ተራ ናይ ምጽዋት ድሌት፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ልምዲ፡ ማሕበራዊ ርክባት ናይ ምግባርን ማሕበራዊ ሓላፍነት ናይ ምውሳድን ባህልታት ገለ ካብቶም ንጥፈታት፡ ልምድታትን ባህርያትን እዮም። ዜጋታት ነዞም ልምድታትን ባህልታትን ከማዕብልዎምን ክሰርሕሎምን እንተ ኾይኖም፡ እቲ ብፈጣሪ ዝተዋህቦም ናይ ምዝራብን ምምራጽን ናጽነታት፡ ብዘይ ገለ ጸቕጢ ክጥቀሙሎም ዘኽእሎም ሃዋሁ ምስዝህሉ እዩ። እዞም መሰረታውያን ናጽነታት ግን ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ኣብ ኤርትራ የለውን።

እምበኣርከስ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ፡ ዜጋታት ነዞም ተነፊጎሞም ዘለው መሰረታውያን ናጽነታት ንኽውንንዎም፡ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስያዊ ባህልን ልምድታትን ንኸማዕብሉን፡  ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ይጽዕት። ከም'ቲ ኣብ ተልእኾ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ ተጠቒሱ ዝርከብ ከኣ እቲ ዝፍጠር ባይታ ንኣምራት ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስያዊ መትከላትን ንምዕዛዝ ኮይኑ፡ ብመገዲ ህዝባዊ ምንቕቓሕ፡ ትምህርታዊ ጎስጓሳትን፡ ጥብቅናን የተግብሮ። እቲ ጻዕሪ ከኣ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ባህርያት፡ ልምድታትን ኣረኣእያታትን ዘንጸባርቕን፡ ንዲሞክራስያዊ ስርዓተ-ምሕደራ ዘጽንዕን ዘውሕስን፡ ሓላፍነታዊ ሕብረተሰብ ኣብ ኤርትራ ንምህናጽ እዩ።

ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.፡ ኣብ መስርሕ ምህናጽ ንቑሕን ሓላፍነታውን ሕብረተሰብ ዘካይዶም ንጥፈታት ናብ ዘይተደልየ ሕንፍሽፍሽ፡ ፋሉልነት፡ ዘይቅዋማውነትን ምግሃስ ናይ ካልኦት ሰብኣዊ መሰላትን ከይሸመም ብልዑል ጻዕርን ተገዳስነትን ከይሰልከየ ይሰርሕ። ዝኾነ ይኹን ሃጓፋት ንኸይፍጠር ከኣ: ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ ብኣዝዩ ዝተራቐቐን ውሕሉልን ትምህርታዊ ጎስጓሳዊ ስርሓት እንዳገበረ፡ ኩሉ ዜጋ ናብ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ክብርን ብልጽግናን ንኸሰርሕን ክግስግስን የተባብዕ። እዚ ድማ: ኣብ ተልእኾ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ ብንጹር ተሰሪቱ ይርከብ።

ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ-ምሕደራ ዘጽንዕ ሓላፍነታውን ሓያልን ሕብረተሰብ ንምህናጽ ዝወስድ ዓቐን ግዜ: ኣብ'ቶም ዝካየዱ ንጥፈታትን ጎስጓሳዊ ስርሓትን፡ ኣብቲ ንምስታፍ ዝህሉ ድልውነትን ትብዓትን ናይ ነፍሲ ወከፍና ብሓፈሻ ይሙርኮስ።

ፈጻሚ ሽመግለ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.

7 ሚያዝያ 2006

ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ አፍሪቃ