9 February 2006
In furtherance of objectives of the Civic Awareness Project, the EMDHR conducted session workshops on 4-5 February 2006 in four South African cities, namely

The draft manual was presented during the workshops by six members of the EMDHR who traveled from the Head Office in
Pietermarizburg, South Africa
During the session workshop, the participants discussed about issues that resonate around the following points:
- Why nonviolence?
- Why do people obey to authority in large numbers although it is not in their interest?
- Methods of active nonviolent action, and
- Factors that a nonviolent movement should avoid
As it was intended, these workshops assisted in gathering some useful comments and ideas from Eritreans residing in

These workshops are being carried out inline with the funding agreement entered into between the EMDHR and Grassroots International for purposes of development and testing the Manual proposed by the EMDHR.
The EMDHR is pleased to provide the draft manual upon request as well as accommodate any comments that may be put forward on this respect.
ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ኣመልኪቱ ሰፊሕ ዓውደ-መጽናዕቲ ኣካይዱ።
9 ለካቲት 2006
ከም መቐጸልታ ንምዕዋት ሲቪካዊ ምንቅቓሕ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ፡ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ማለት ኬፕ ታውን፤ በሎምፎንቴይን፤ ፒተርማሪዝበርግን ደርባንን እየን። ካብ ዕለት 4-5 ለካቲት 2006 ኣብ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ዘተኮረ ሰፊሕ ዓውደ-መጽናዕቲ ኣካይዱ። ቀንዲ ዕላማ’ቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ነቲ ብኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ተኣሚሙ ኣብ ምርቃቕ ዝርከብ ኣብ ሜላ፡ ስነ-ሓሳብን ኣተገባብራን ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ዘተኩር መጓሳጎሲ መጽሓፍ ምስናይ ኤርትራ ኩነታት ብምዝማድ ንምዝታይን ንምግምጋምን እዩ።ኣርእስቲ ናይ’ቲ ተኣሚሙ ዘሎ መጓሳጎሲመጽሓፍ “ጉዕዞ ናብ ውሑስ ሰላም፡ፍትሕን ዲሞክራስን” ዝብል እዩ። ኣባላት ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.ን ካልኦት ግዱሳት ዜጋታት ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብ ምድላው’ዚ ተኣሚሙ ዘሎ መጽሓፍ ንጥፈትን ተዋሳእነትን ብምርኣይ እጃሞም ኣበርኪቶም። እዚ መጽሓፍ’ዚ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኾነ ፍርሒ ናጻ ብምዃንን ንመንግስቲ ዘለዎም ምእዙዝነት ብምውጋድ ምግሃስ ሰብኣውን ዲሞክራሲያዊ መሰላት ብዘይጎነጻዊ አገባብ ክፈትሑ የተባብዕ።
ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ካብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት፡ ፕሪቶሪያ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ብምኻድ ነቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝመርሑ እዞም ዝስዕቡ እዮም።
ኬፕታውን፡ ኣብራሃም ረዘነን ተስፋኣለም ተኽልኣብ
ብሎምፎንቴይን፡ ፋኑኤል መስፍንን በረኸት ተስፋሚካኤል
ደርባንን ፒተርማሪዝበርግን፡ ሳሚኤል ቢዘንን ምናሴ ተኽላይ
ኣብ’ቲ ዓውድ-መጽናዕቲ ተሳተፍቲ ኣብዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ተዛትዮምን ተኻቲዖምን፡
Ø ኣገዳስነት ዘይጎነጻዊ ቃልሲ
Ø ምኽንያት ወይ ጠንቒ ምእዙዝነት ህዝቢ ንሓለፍቲ ወይ ሰበ-ስልጣናት መንግስቲ
Ø ኣገባባት ዘይጎነጻዊ ቃልሲ
Ø ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ከወግዶም ዘለዎ ረቛሒታት
ብሓፈሻ እዚ ዓውደ-መጽናዕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብዛዕባ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ዝተፈላለዩ ሃነጽትን ኣገደስትን ሓበሬታታትን ርእይቶታታት ብምእካብ ነቲ ናይ መወዳእታ መልክዕ ክሕዝ ተዳልዩ ዘሎ መጓሳጎሲ መጽሓፍ ዓብን ኣወንታዊ ተራን ኔርዎ።ኣብ’ቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ናይ ትግርኛ ቅዳሕ ንተሳተፍቲ ተዓዲሉ። ተሳተፍቲ ብወገኖም ዘለዎም ርእይቶታት ከበርክቱን ንህዝቢ ኣብ ምምሃር ኣጽዒቶም ክሰርሑ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም።
ብተወሳኺ ድማ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ጉዳይ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ተዛትዮም። ከምዚ ዓይነት ዓውደ-መጽናዕቲ ኣብ ካልኦት ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ዓውደ-መጽናዕቲ ብመሰረት ኣብ መንጎ ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ.ን ግራስሩትስ ኢንተርናሽናል ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት፡ ብኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ንዝተኣመመ መጓሳጎሲ መጽሓፍ ንምምዕባልን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን እዩ።
እዚ ተነዲፉ ዘሎ ሓፈሻዊ መጓሳጎሲ መጽሓፍ ክትወስዱ ንእትደልዩ ብጠለባትኩም መሰረት ክንቅርበልኩም ሕጉሳት ምዃንና ክንሕብር ንፈቱ። ከምኡውን ኤ.ም.ዲ.ሰ.መ. ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ሓፈሻዊ ርእይቶታት ከተፍስሱ ብትሕትና ይዕድም።