ክሳብ መዓስ ኢና ስቕ ክንብል?


ክሳብ መዓስ ኢና፡-
ንግሁድ ምልክን ጸይቅን - ከም ጅግንነትን ጽድቅን፣
ንርኡይ ዓመጽን በለጽን - ከም ሃገራዊ ሓልዮት፣
ንክቱር ንድየተ ሕልና ድማ - ከም ፍልስፍና ቆጺርና፡ እንቕበሎ?
መስዋእቲ ሰብዓ ሽሕ ጀጋኑ፡ ሞት ዓያሹ ኮይኑ ንከይተርፍ!
ምኽንያት መንቀሊ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣድላይነት ከርተትን ድኻምን ጥሜትን ሰላሳ ዓመታት፣ ዕላማ መስዋእቲ ሰብዓ ሽሕ መንእሰያት ደቅናን ኣሕዋትናን፣ ኤርትራውያን ኣብ ዓድና፡ ጓኖት ብዝደልዩዎን ብዝእዝዙዎን መሰረት ዘይኮነ፣ ከም ዊንታና፣ ብፍታውና፣ ንኩሉ ሰብ ብማዕረ ዘደላድል ሕጊ ተኺልና፡-
መሰልናን ባህልናን እምነትናን ብዘኽብር፣
ብድምጺ ህዝቢ ብዝምረጽ፣
ብድምጺ ህዝቢ ብዝወርድ፣
ጎይታ ህዝቢ ዘይኮነ፡ ብቅዋም ዝምእዘዝ መገልገሊ ህዝቢ መንግስትን ስርዓተ - ምምሕዳርን ብምቛም፣ንመሬትና ኣትሪርና ረጊጽና፡ ብዘይ ሕግብግብን ምሹቕራርን፣ ኣስተርሒና፡ ቀሲንና፡ ኮሪዕና፡ ንምንባር ኢዩ፡፡
ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ዓስቢ ከርተቱን፡ ጻማ ሞባእ ዝኸፈሎም ብሉጻት ደቁን፣ መሰሉ ኣረጋጊጹ - ቅሳነት ተላቢሱ ኣብ ክንዲ ዝነብር፣ ኣብ ትሕቲ ጓኖት ርእዩዎ ዘይፈልጥ ሕሰምን፡ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ኣደራዕን፡ የሕልፍ ኣሎ፡፡
እዚ ኣደራዕ እዚ ግን፡ ብሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን፡፡ በንጻሩ፡ እዚ፡ ዓለም ብቀትራ፡ ንኤርትራ ናብ ዓይኒ ኣንቁሪ ጸልማት ቀይሩዋ ዘሎ ጫካ ሕሰምን ግፍዕን፣ ዘይቅኑዕ ኣልባብ ህሩፋት ስልጣን፡ ንዓመታት ብዘይ ምቁራጽ ዝነጸጎ ዒፍዒፍታ ሽርሒ፡ በብቁሩብ ዘጠጥዖ ፈልሲ ተንኮል ኢዩ፡፡
እቲ ናብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ዘብጽሐ ጉዳያት፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኢዩ፡፡ ብዙሕ ይኹን'ምበር፡ በብሓደ ክዝርዘር ምተኻእለ፡፡ እንተኾነ፡ ንዝመጽእ ምክልኻል'ምበር፡ ንሕሉፍ ምዝርዛር ረብሓ ስለዘይብሉ፡ ገለ ኣብነታት ጥራይ ክንጠቅስ፡፡
ፈለማ፡ ብኡ ንቡኡ ጽባሕ ናጽነት፣ ንሃገር ዘማዕብል ሓሳብ ዝጨነቆም ንዱያት ሕልና፣ ንመሬት ደቂ ሃገር፣ ንርስቲ እንዳባ፣ እንተደለዩ ብዶላር ዝሸጡዎ እንተደለዩ መፋተዊ ዝዕድሉዎ ዋንነቶም፡ ጌሮሞ፡፡
እዚ ስጉምቲ'ዚ፡ ንጹር መርኣያ ጥፍሽና መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ ኔሩ፡፡ እንተኾነ፡ ብዘይካቶም ካብ ብጊሓቱ ተቃወምቲ ዝነበሩ ውድባትን ውልቀ ሰባትን፣ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝቕመጥ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ገበን እዚ፡ "ኣሜን!" ኢሉ ተቐቢሉዎ፡፡
ብድሕርዚ፡ ወዮ መሰል ሰብን ክብሪ ስድራቤታትን ካብ ዘበን ገድሊ ጀሚሩ ምርጋጽ ዝለመደ ስርዓት፣ ዕሸላት ኤርትራ፡ ግዳያት ዝሉቕ ኣተሓሳስባ ኮይኖም ንክዓብዩ፣ "ክረምታዊ ማእቶት!" ብዝብል ጉልባብ፡ ካብ ምቁጽጻር ስድራቤታትን ወለድን መንዚዑዎም፡፡ ንደቂ ሓረስቶት፡ ግራት ወለዶም፡ ገለ ቃዲሩ - ገለ ብጻህያይ ተቐቢሩ እንከሎ፡ ናብ "ክረምታዊ ማእቶት" ምውሳድ፡ ጥዑይ ኣእሞሮ ዘለዎ ከስተንትኖ ዘይክእል፣ መግለጺ ዘይርከቦ፡ ዘደንጹ ፖሊሲ ኢዩ፡፡
ህዝቢ ግን፡ "ኣሜን!" ኢሉ ተቐቢሉዎ፡፡
ኣብ 1993፡ መዋእሎም ስለ ናጽነት ዝኸርተቱ ተጋደልቲ፣ ፕረሲደንት ኢሳያስ ብውልቁ፣ ንነብሱን መሳርሕቱን፡ ብዘይ ምርጫ፡ ተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክጸንሑ፣ ተጋድልቲ ድማ፡ ተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመታት ብዘይ ደሞዝ ከገልግሉ ወሲኑ ብቪደዮ ንዘመሓላለፎ ትእዛዝ ብምቅዋም፡ ኣኼባ ጠሊቦም፡፡ እዚ ከም ገበን ተቆጺሩ፣ መዋእሎም ዝተጋደሉ፡ ገለ ተረፊቶም፡፡ ገለ ድማ፡ ክሳብ ሎሚ፡ ኣብ ማሕዩር ኣለዉ፡፡
ህዝቢ፡ ነዚ ግሁድ መርኣያ ምልኪን ጭካኔን፡ ኣይተቃወሞን፡፡
ኣብ 1994፡ እቶም ድምጾም ከይስማዕ፣ ቤተ ሰብን ዘመድን ኣብ ዘይብሉ፣ ሕማም ለምጺ ዝነበሮም፡ ካብ ሰብ ርሒቖም ክሕከምሉን ክቕመጡሉን ዝተሰርሐ፣ ኣብ ጽምዋ ኣጻድፍ ማይ ሓባር ኣብ ዘሎ መዓስከር ተደርብዮም ዝነበሩ ጀጋኑ ስንኩላን ኵናት ኤርትራ፡ "ሓሲሙና! ህይወት ከቢዱና!" ስለዝበሉ፣ ብጠያይት ኮማንዶ ተመልዒሶም፡፡ ብምርኩስን ጎሰስን ህይወቶም ከድሕኑ ዝሃደሙ ድማ፣ ከም እንስሳ ሃድን፡ ካብ ኣጻድፍ ቢዘንን ለዓይተንን፡ ተለቂሞም፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ነዚ ኣስካሕካሒ ግፍዒ'ዚ ብምቅዋም፡ ኣየድመጸን፡፡
ዘበን ሳዋ ድማ መጺኡ፡፡
እዛ ብሉጻት ሓርበኛታት ከፊልና ዝረኸብናያ፡ ተስፋ ኣፍሪቃ ክትከውን ዝተሓስበት ኤርትራና፣ ኣብ ክንዲ ዝብላዕን ዝልበስን፣ ኣብ ሸሹድሽተ ወርሒ፡ ዕስራ ሽሕ መሬት ዘዳሩኑ ተሰከምቲ ጠበንጃ ስለዝመልመለት፡ ከበሮ ተደሲቑሉ፡፡ ጥሩምባ ተነፊሑሉ፡፡ ህዝቢ ድማ፡ ሽዑ'ውን፡ "ብወፈራ፡ ዓሳ ገፊፍና ዘይንሸይጥ!" ኣይበለን፡፡
ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት ድማ፡ ብምኽንያት ባድመ፡ ኩናት ተጻሕቲሩ፡፡
ሃገራዊ ሓልዮትን ሰብኣዊ ክብርን ዝነበሮም መሳርሕቱ፡ "ግደፍ! ደቅናን ንብረትናን ከይከሰርና፡ ብሰላም ንፍትሓዮ!" እንዳበሉዎ፣ ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ዓሰርተው ትሽዓተ ሽሕ ዕሸላት ደቅናን ኣሕዋትናን ዘጽነተ፣ ኣሽሓት ዘዘኽተመ፣ ኣሽሓት ዘማእመነ ኲናት ኣብ ምብራዕ፡ ኣዝዩ ዓቢ ግደ ተጻዊቱ፡፡
ሸፊንካ ሸፋፊንካ ምሕላፉ ስለዘይከኣል፣ ይምረር ይዓርዕር፡ እቲ ሓቂ ክንድርጉሖ እንተኾይንና፣ ንሕና ህዝቢ፡ ብሞት ደቅናን ኣሕዋትናን፡ ማዕረቶም ሰብኣዊ ሓልዮትን ሕልናን ዘይብሎም ሰበ ስልጣን ህግደፍን ፕረዚደንት ኤርትራን፡ ተሓተቲ ኢና፡፡
ክራማት 2001፡ ሰለስተ ሽሕ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፣ ዝበደሉዎ ዘይብሎም፣ በገባብ መሰሎም ስለዝሓተቱ ጥራይ፣ ወለዶምን ኣሕዋቶምን ቤተሰቦምን እንዳረኣዩ፣ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ፡ ብክሳዶም ተሓኒቖም፡ ንዊዓ ተወሲዶም፡፡ ብሃሩርን ወቅዒ ጸሓይን ድማ፡ ክልተ መንእሰያት ሞይቶም፡፡
ክልተ ይኹኑ ክልተ ሚእቲ፡ ብዘየገድስ፣ እዚ፡ ንጹር መርኣያ ጭካኔ ፕረዚደንት ኢሳያስን ኣረሜንነት መሳርሕቱን ኢዩ ኔሩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ ዕሸላት ደቁ ብግፍዒ ኣብ ንእስነቶም እንዳተቐዝፉ፡ ብስሙር ድምጺ፡ "ዓገብ!" ኣይበለን፡፡
ፕረዚደንት ኢሳያስ፡ ብሰንኪ ባድመን፡ ብሳዕቤኑ ዝመጸ፡ ህዝብን ሃገርን ዘበሳበሰ ኩነታትን ኣብ ወጥሪ ምስ ኣተወ፣ ካብ ተሓታትነት ክሃድም፣ ንመሳርሕቱን፡ መተዓብይቱን መጋድልቱን ዘጸልም ጎስጓስ ኣብ ዘካየድሉ እዋን፣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ባህሊ ኣቦታቱ፡ "ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ! ዓገብ!" ኣይበለን፡፡
በንጻሩ፡ ነቶም፡ ተበግሶ ወሲዶም፡ ኣብ ሞንጎ ተጋደልቲ ደቆም ስኒት ክፈጥሩ ዝፈተኑ ሰብ ሕልና ኣረጋውያን፡ ኣሕሊፉ፡ ንማእሰርቲ ሂቡዎም፡፡
ፕረዚደንት ኢሳያስ ድማ፡ ነቶም ሰብ ሕማቕ መዓልቱ፣ ነቶም መተዓብይቱን መማህርቱን፡ ናብ ጋህሲ ደርብዩዎም፡፡ ንሳቶም ድማ፡ ልክዕ ከምቶም ኣብ ዘበን ገድሊ ኣብ ስንጭሮታት ሳሕል ዝተረሸኑ ንጹሓት ብጾቶም፣ ከምቶም ኣብ ነፋሲት ዝተቀዝፉ ስንኩላን፣ ከምቶም ክሳብ ሎሚ ተሞቂሖም ዘለዉ ተጋደልቲ፣ ከምቶም ኣብ ዊዓ ዝሞቱ ተመሃሮ፣ ከምቶም ጅሃድ ተባሂሎም፡ ብጽሉቕ ምሉቕ ካብ ፈቐዶኡ ተጨውዮም ዝጸነቱ ኤርትራውያን፡ ድሃዮም ተሸሪቡ፡፡
ቅኑዕ ሓበሬታ ዘለዎ ዜጋ፡ ንቁሕ ኢዩ፡፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ኤርትራ ድማ፡ ትርግታ ህዝቢ እንዳቃልሓ፣ ነተን መንግስቲ ኤርትራ ዝውንነን መናፍሕ ሓሶት ስለዝኸሽሓ፣ ኣዳለውተን፡ ከካብ ቤቶም ተለቒሞም፣ ኣብ ዘይፍለጥ፡ ሰቦምን ፈተውቶምን ክርእይዎም ኣብ ዘይክእሉሉ ቦታ፡ ተዳጒኖም፡፡
ህዝቢ ኤርትራ፡ "ዓገብ!" ኣይበለን፡፡ ብሰንኩ ድማ፡ ሰናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝብህጉ ሰብ ስነ ምግባር ጋዜጠኛታት፡ ክሳብ ሎሚ፡ ብዘይ ፍርድን ክስን፡ ተሓይሮም ኣለዉ፡፡
እዚ ክሳብ 2001 ዝነበረ ኩነታት ኢዩ፡፡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት ድማ፡ ኣብ ዓዲ ኣበይቶን፡ ኣብ ዊዓን፡ ኣብዚ ምዝርዛሩ ፋይዳ ኣብ ዘይርከቦ፡ ፈቐዶ ምድረበዳን ደሴታትን ኣብ ዘሎ ኣብያተ ማእሰርቲ፣ ብዙሓት ደቂ ሃገር፡ ብስቓይ ሞይቶም፡፡ ኣሽሓት ድማ፡ ጌና ይሳቐዩ ኣለዉ፡፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ'ውን፡ ክንደይ ግፍዒ ተፈጺሙን፡ ይፍጸም ኣሎን፡፡
ህዝቢ ኤርትራ ግን፡ እንተስ ተዓዚሙ፣ እንተስ ራዕዲ ኣትዩዎ፣ ደቁ ኣሕሊፉ ንሞት ሂቡዎም'ምበር፡ "እዋይ ደቀይ!" ዝብል ሓባራዊ ተቓውሞ፡ ኣየስምዐን፡፡
እዚ ዘነጽሮ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡-
ንመሬትና፡
ንደቅና፡
እንረኽቦ ሓበሬታን
እንዛረቦ ቃልን ልሳንን፡
ማለት፡ ብሓፈሻዊ ኣገላልጻ፡ ንእንታይነትናን ህይወትናን ወኒኑ፣ ቀያዲ ዘይብሉ፡ ከም ድሌቱ ከሽካዕልል፡ ከም ዝኸኣለ ኢዩ፡፡
ዝለመደ ቀመደ ከም ዝብሃል፡ ነዚ ምስ ኣረጋገጸ፣ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነተን፡ እዚ ብግፍዕን መከራን ዝላደየ ህዝቢ፣ ንስእነቱ - ብተስፋ፣ ንሕሰሙ ድማ፡ ብጸሎት ክሰግረን፣ ሓይልን ንያትን ክረክብ፡ ንግሆ ንግሆ ገስጊሱ ምስ ፈጣሪኡ ዝዛረበለን ኣብያተ እምነታት እውን፡ ክግብት ወሲኑ፡፡
ብመሰረት እዚ ውሳኔ'ዚ፣ ፈለማ፡ በተን ብዘይ ተቓውሞ ከዳኽመንን፡ ምስ ህዝቢ ከባእሰንን ከም ዝኽእል ዝተኣማመነለን እምነታት ከንሻ ጀሚሩ፡፡ ኣብ ሓጺር እዋን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዓገብ ከይበለ፡ መደብ መንግስቲ ኤርትራ፡ ተዓዊቱ፡፡
ብድሕርዚ፡ ናብታ ብምስምስ ሓገዝ ባጀትን ገንዘብን፡ ካብ ፈለማ 1991 ኣትሒዙ፡ ኣብ ሕምብርታ ኮይኑ ብውሽጢ ውሽጢ ክጠማዝዛ ዝጀመረ ሃይማኖት ተዋህዶ፡ ሰጊሩ፡፡
ከም ፈላሚ ስጉምቱ፡ ነቶም ቀዳመ ሰምበት ተኣኪቦም፡ ኣብ ቀጽርታት እንዳ ማርያምን፡ እንዳ ስላሴን፡ ትምህርተ ክርስቶስን መጽሓፍ ቅዱስን ዝቐስሙ ዝነበሩ መንእሰያት፡ ምስ ካህናት ንምርጻም፡ "ደቅኹም ጴንጠ ኮይኖም!" "ሓድሽ ሃይማኖት የእትዉ ኣለዉ!" ብዝብል ጎስጓስ፡ ነቓዕ ፈጢሩ፡፡
ብድሕርዚ፡ ነቶም ብሞያ ቤተ ክህነትን ሕክምናን ዝለዓለ ፍልጠት ዝቐሰሙ ዶካትር ሃይማኖት ተዋህዶ ብምስጋር፣ ንቤተ ክርስትያኖም ብምዕጻው፡ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ዳጒኑዎም፡፡
በዚ ስጉምቲ'ዚ ዝጎሃዩ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ኤርትራ፣ እቶም እሱራት ክፍትሑን፣ መንግስቲ፡ ካብ ምሕደራ ቤተ ክርስትያን ኢዱ ክስሕብን ስለዝሓተቱ፣ ንካልኦት ሰብ ሕልና ዘጋጠመ ዕጫ፡ በጺሑዎም፡፡
ንሶም እውን፡ ጳጳስ - ርእሰ ጳጳሳት እንከለዉ፣ ኣይተሓፍሩን፡፡ ኣብ ዘበን ጸለመን ጠቐነን፡ ኣይተናሕፉን፡፡ ንሶም እውን፡ ሰናይ ስለዝደለዩ፡ "ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ" ተጠሚቖም፡፡
ንሶም'ውን፡ "ቅቡእ ክሳብ ሞት!" እንከለዉ፡ ከምቶም ብዊንታን ድሌትን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝድስክሉ ጀነራላትን ሚኒስተራትን ህግደፍ፡ ደስኪሎም፡፡ ህዝቦም ከይጓስዩ፡ ካብ መዓርጎም ተቐንጢጦም፡፡
ምድስካል ፓትርያርክ ብዝምልከት፡ ብተደጋጋሚ፡ ብጽሑፍን ብቃልን ክንገር ኢዩ ቀዊዑ፡፡ ኣሉ ቀጣን ዝልማዱ መንግስትን መጋበርያታቱን ግን፡ ሓንሳብ፡ ክም ኣመሎም ብኣሉታ፣ሓንሳብ ድማ፡ ብዕበጦ ዓባብጦ፡ ነቲ ነገር ብጥውይውይ ክሰግሩዎ ፈቲኖም፡፡
ሎሚ ግን እንሆ፡ ነዚ ጻውዒት እዚ ንምቅላሕ እናተሸባሸና፡ ብክታም ፓትርያርክ ባዕሎም ዝተሰነየ ሰነድ ከም ዝሕብሮ፡ ምድስካል ፓትርያርክ ሓቂ ምዃኑ፣ሓቂ ተቐቢራ ከም ዘይትቕበርን፣ ድፍረት ዓያሹን ብድዐ መለኽትን ድማ፡ ዶብ ከም ዘይብሉን፡ ብዘየማትእ ኣገባብ፡ ተረጋጊጹ ኣሎ፡፡
እዚ ስጉምቲ'ዚ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ኤርትራ ዝተወስደ ዝፍለ ኣይኮነን፡፡ እንተኾነ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን እምነቱን፡ መንነቱን፡ እንታይነቱን ዘለዎ ክቱር ንዕቀትን ብድዐን ብዘየማትእ ዘነጽር፡ ናይ ቀረባ ፍጻሜ ስለዝኾነ፣ ህዝቢ ኤርትራ ኣዕሚቑ ንክሓስብ፣ ንሕሉፍ ኩነታት በብሓደን ብጽሞናን ንክዝክር፡ ዕድል ዝህብ ኢዩ፡፡
ትብዓት ፓትርያርክ ድማ፡ ኣዝዩ ዘሕብን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፣ ንሓሶትን ተንኮልን ብዓውታ ምብድሆም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቦምን ሃይማኖቶምን ዘለዎም ኣባታዊ ሓልዮት ዘመስክርን፡ ክንስዕቦ ዝግብኣና ዘኩርዕ ኣብነትን ኢዩ፡፡
ኣብ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘበን፣ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህይወት ዘበነ ጊልያነት ይነብር ኣሎ፡፡ መንእሰያት ኤርትራ፡ ካብ ደቂ ዓሰርተው ሰለስተ ዓመታት ጀሚሮም፡ ኣበይ ይኸርሙ፡ ብድሌት መንግስቲ ይውሰን፡፡ ካልኣይ ደረጃ ምስ በጽሑ፡ ኣበይ ይመሃሩ፡ ብድሌት መንግስቲ፡ ይውሰን፡፡ ኤርትራዊ ወላዲ፡ ሓረስታይ ኮነ ሸቃላይ፡ ኣስላማይ ኮነ ክስታናይ፡ ኩሉ ብሓፈሻ፡ ኣብ ህይወት ደቁ፡ ተራ የብሉን፡፡
ብሕጽር ዝበለ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ መሰሉን ክብረት ደቁን ክከላኸል ተበግሶ ስለዘይወሰደ፣ መንእሰያት ኤርትራ፡ ከም መጓሰ ከብቲ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝደለዮ ደምበ፡ ይሓድሩ ኣለዉ፡፡ ብተደጋጋሚ ከም ዝተረጋገጸ፡ ንሱ ምስ ዝደልዮ፡ ኤርትራውያን፡ ህይወቶም ከፊሎም፡ ንከም ካቢላን ጆን ጋራንግን ዝኣመሰሉ ባዕዳውያን ናብ ስልጣን ከድይቡ፣ ናብ ሱዳንን ሶማልን ኮንጎን ይለኣኹ፡፡ ሞይቶም ድማ፡ ኣብኡ ይጎሓፉ፡፡
ኣብዚ ምዕቡል ዘበን፣ኤርትራውያን ብከመይ ንነብር፣ ህይወትና ብከመይ ንመርሕ፡ ወሳኒኡ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ፡፡ ኣብ መሬትና ከም ድላይና ክንነብር፣ ኣብታ ዓድና ዓዲ ኣቦታትና ክንኣቱ ክንወጽእ፡ ዘፍቅድ - ዝኽልክል፡ መንግስቲ ኢዩ፡፡
መንግስቲ፡ ባዕሉ ሸቃጣይ - ባዕሉ ነዳቓይ ኮይኑ፣ ኣስቤዛ ኣበይ ይዕደግ፡ ባዕሉ ይውስን፡፡ ህዝቢ ዘይመረጾ ዓመጸኛ ፕረሲደንት፣ ወኪል ፈጣሪ'ውን ክኸውን ብምምጥጣር፣ መን ቀሽና - መን ጳጳስና፣ መን ሸኽና - መን ሙፍትና፡ ባዕሉ ይውስን፡፡ ህዝቢ እንታይ ይሰምዕ - እንታይ የኾምስዕ፣ ናብ መን ይጽሊ - እንታይ ይኣምን፡ ህግደፍ ይውስን፡፡
ካብዚ ዝንውርም ነውሪ የልቦን፡፡ ካብዚ ዝኸፍእ ሕስረት የልቦን፡፡ ካብዚ ዝዓቢ ድፍረት የልቦን፡፡ ካብዚ ዝንጽር፡ ዘሕዝን ሓቂ የልቦን፡፡
እዚ ኩነት እዚ፡ ንጅግንነት ሰብዓ ሽሕ ብሉጻት ደቅናን ኣሕዋትናን፣ ካብ ክቡር መስዋእቲ፡ ናብ ሞት ዓያሹ ዝቅይር ሓቂ ኢዩ፡፡ ብቀደሙ፡ መብዛሕቲና ኤርትራውያን፡ በዲልና ኢና፡፡ ኣሉ ዘይብሃሎ፡ ብተደጋጋሚ፡ ተጣዒስካ ዘይምለስ ስሕታን ስሒትና ኢና፡፡
ብሰንኪ ስሕታንናን ጌጋናን ድማ፡ እዚ ብትንፋስ ሰብዓ ሽሕ ደቅናን ኣሕዋትናን ናብ ስልጣን ዝደየበ መንግስቲ፣ ንእንሓስቦን እንዛረቦን ብምቁጽጻር፣ ንገርሂ ልብና፡ ናብ ንሱ ዝውንኖ ሩባ ቀይሩ፣ እንተደለየ የዕቁር - እንተደለየ ድማ፡ ይዛሪ - የንቆልቁል ኣሎ፡፡
ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ፡ ክቢድ ዋጋ ከፊሉ ዘምጽኦ መሬቱ ክውሰዶ፣ዶቡ ክድፈር፡ ኣይደልን ኢዩ፡፡ እንተኾነ ግን፡ መሰል ሰብ ገዲፉ፡ ብዶብ ዝምድር፣ ከደናግር'ምበር፡ ንሃገር ሓልዩ ኣይኮነን፡፡
ፕረዚደንት ኢሳያስን መሳርሕቱን ግን፡ ብጉልባብ ውሕስነት ሃገር፡ መሰል ሰብ እንተገሃሱ፣ንክዉን እንተኸሓዱ፣ ሃይማኖትን እምነትን እንተደፈሩ፣ መተዓብይቶም እንተሓየሩ፣ ንግሆን ምሸትን ሓሶት እንተለፍለፉ፣ ትንፋስ ዕሸላት እንተሕለፉ፣ ምእንቲ ስልጣኖም ኢዩ፡፡ መታን ክጥዕሞም ኢዩ፡፡ ንክረብሑሉ ኢዩ፡፡
ንሕና ህዝቢ ኸ?
ብዘይካ በጻብዕቲ ዝቁጸሩ ሰበ ስልጣን ህግደፍን፣ ብዘይካ ስስዐ ዘዕወሮም፡ ኣብ ዘበን ኣካሒዳ፡ ርስቲ ደቂ መሬት ብዶላር ዓዲጎም ክህብትሙ ዝፍትኑ፡ ደረት ትርኢት ዘሕጸሩ ኣዝዮም ውሑዳት ደቂ ሃገርን፡ በዚ ኩነት ዝረብሕ ኣሎና ድዩ?
ክሳብ መዓስ ኢና ስቕ ክንብል?
ክሳብ መዓስ ኢና፡-
ንግሁድ ምልክን ጸይቅን - ከም ጅግንነትን ጽድቅን፣
ንርኡይ ዓመጽን በለጽን - ከም ሃገራዊ ሓልዮት፣
ንክቱር ንድየተ ሕልና ድማ - ከም ፍልስፍና ቆጺርና፡ እንቕበሎ?
ካብዚ ብምብጋስ፡-
ነገራት ናብዚ ደረጃ እዚ ክምዕብል እንከሎ ብዘርኣናዮ ክቱር ዕሽነት ተጣዒስና፣ ንኩሎም በዚ መንግስቲ ዝተበደሉ ወገናት ብልብና ይቕሬታ እንዳሓተትና፣
መስዋእቲ ብሉጻት ደቅናን ኣሕዋትናን ከንቱ ከይተርፍ፣ ጻማ ከርተት ህዝብና ንክርከብ፣ ነዞም ኣብ ክንዲ ክብረትን ግርማን ዝሽልሙና፣ ውርደትን ሓሳርን ዘሰከሙና ዘይሰብ ሕልና፡ "ይኣክል!" ንምባል፣ ጾታን ቦታን፡ እምነትን ሃይማኖትን፡ ዓሌትን ወገንን ብዘይፈሊ፣
(1) ኩሉ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብር ኤርትራዊ፣
(2) ኩለን ተቃወምቲ ውድባት፣
(3) ኩለን ሲቪካውያን ማሕበራት፣
ብዝተወሃሃደ መልክዕ፡ ብሓባር ተጠርኒፍና፡ ስሙር ናይ ተቃውሞ ድምጽና እነስመዓሉ ሰላማዊ ሰልፍታት ክካየድ፡ ንጽውዕ፡፡
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ
ተስፋ ደሊና / ኣዝማሪኖ.ኮም - ኣመሪካ
ዓዋተ ፋውነደሽን / ዓዋተ.ኮም - ኣመሪካ
ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን (ኤምዲሰመ) - ደቡብ ኣፍሪቃ
ጥሪ 23፡ 2006